September 19, 2012

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ ብልዑል ሃገራዊ ወኒ ተኻዪዱ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ
ብልዑል ሃገራዊ ወኒ ተኻዪዱ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ፣ “ህዝባዊ ውዳቤና ነሐይል” ብዝብል ቴማ ብ15ን 16ን መስከረም ብውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ከተማ ሎንደን ተኻዪዱ።

እቲ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ማለት ማንቸስተር፣ ሊድስ፣ በርሚግንሃም፣ ሊቨርፑል፣ ሺፊልድ፣ ለንደን፣ ከምኡ’ውን ካብ ስኮትላንድ፣ ኣየርለንድን ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳን ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ፈስቲቫል፣ ዝያዳ ኣብ ቈልዑን መንእሰያትን ዘተኰረ ሰፊሕ መደባት ዘጠቓለለ ምንባሩ፣ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር ንተሳተፍቲ ኣብ ዝገበሮ ንህልው ኩነታት ሃገር፣ ልምዓታዊ ገስጋስን ዞባዊ ምዕባለታትን ዝምልከት ሰሚናር፣ መንግስቲ ኤርትራ ዘላቒ ቍጠባዊ ምዕባለ ንምምዝጋብን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ናብ ርሑቕ ገጠራት ዓቢ ቈላሕታ ብምሃብ ዓበይቲ ወፍርታት የካይድ ከምዘሎ፤ ዛጊት ተሰላሲሉ ዘሎ ድማ ድልዱል ባይታ ንዝበረኸ ዕቤት ምዃኑ ብምግላጽ፣ “ህዝቢ ኤርትራ፣ ብኣንጻር’ቲ ኣንጻሩ ዝተኣልመ ሽርሕታት፣ መጻኢኡ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ በጺሑ’ሎ” ክብል ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብወገኑ፣ ተሳተፍቲ ተራኦምን ኣበርክቶኦምን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን መደባትን ከዕዝዙ ተላብዩ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ማሕሙድ ብወገኑ፣ እቲ ፈስቲቫል ኣብ ምድልዳል ሃገራዊ ሓድነት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምውራስ ማሕበራዊ ክብርታት ንተካእቲ ወለዶታት ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፣ በብዓመቱ ዝምዝገብ ዘሎ ተሳትፎን ብዙሕነት መደባትን ነዚ ዘነጽር ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ፈስቲቫል፣ ንሃብታም ታሪኽን ባህልን ኤርትራ፣ ከምኡ’ውን ንሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምርኢት ቅብኣ፣ ስእሊን ካልእ ኢደ-ጥበባዊ ስራሓትን፤ ከምኡ’ውን ዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢት፣ ስፖርታዊ ውድድራት፣ ከምኡ’ውን ንቕሓት መንእሰያት ዘበርኽ መድረኽ ዘጠቓለለ መደባት፣ ካብ ተዓዘብቲ ኣድናቖት ረኺቡ።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...