August 26, 2012

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ ብልዑል ማዕርግ ተኻዪዱ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ ብልዑል ማዕርግ ተኻዪዱ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን-ዲሲ፣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ክፍላተ-ሃገርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ዜጋታትን ኣዕሩኽ ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ካብ 17 ክሳብ 19 ነሓሰ ብውዕውዕ ሃገራዊ መንፈስ ተቓኒዑ።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ብድምቀት ዝቐጸለ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፣ ንቊጠባዊ ገስጋስ ኤርትራ ብዘብርህ ኣስተምህሮ፤ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መደባት፤ ስፖርታዊ ውድድራት፤ ከምኡ’ውን ንንጥፈታት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢን ንህልው ኲነታት ሃገር፣ ከባቢናን ዓለምን ዘብርህ ሰሚናራት ደሚቑ ምቕናዩ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብዘይካ’ዚ፣ “ኲናት ሓበሬታን ምዕራባዊ መራኸቢ ብዙሓንን”፤ “ረቂቕ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ”፤ ከምኡ’ውን ሓይሊ ብርዒ ኣብ ሃገራዊ መኸተ ዘብርህ – “ሕጂ’ውን ብርዕና መቃለሲትና” ብዝብል ኣርእስትታት ሰፋሕቲ ሞያውያን ሰሚናራት ብኤርትራውያን ክኢላታት ተኻዪዶም።

ኣምባሳደ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ቊጠባውን መዳያት ብዛዕባ ዘመዝገበቶ ገስጋስ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣብ ህንጸት ሃገር ብእተካይዶ ዘላ ጻዕሪን ወፍሪን ብኹሉ መለክዒታት ኣብ ዝሓሸ ቊጠባዊ ብርኪ ክትበጽሕ ምኽኣላ ንኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዜጋታት ፍሉይ ዕድል ምዃኑ ብምምልካት፣ ዜጋታት ተጣጢሕሎም ንዘሎ ባይታ ርእሰ-ማሎም ብምውፋር ቀጻልነቱ ከውሕሱ ኣዘኻኺሩ።

ፈስቲቫል ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ፍሉይ ቦታን ልዑል ኣገዳስነትን ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣምባሳደር ኣርኣያ፣ ቊጽሪ ነጋድያን ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዓበየ ምምጽኡ ነዚ ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ጠቒሱ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫ ሱታፌ መንእሰያት ብተዓጻጻፊ ምውሳኹ፣ ኣብ ዝመጽእ እንታይ ዓይነት ምድላዋት ክግበር ከምዘለዎ ዝእምት ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ፈስቲቫል፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ስፖርታዊ ውድድራትን ንዝተዓወቱ፣ ከምኡ’ውን እቲ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ክውን ንምግባር ንዝጸዓቱ፣ ሽልማትን ወረቐት ምስክርን ተዓዲሉ።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...