January 12, 2013

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን፣ ብውዕዉዕ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያን
ኒውዚላንድን፣ ብውዕዉዕ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያን  ኒውዚላንድን፣ ብውዕዉዕ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ።

“ኣርሒቕና ንጥምት ዓጸፋ ንስጉም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ11 ጥሪ ብሓላፊ ምርምርን ስነዳን ኣቶ ዘምህረት ዮውሃንስ ዝተኸፍተ መበል 13 ዓመት ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ንካልኣይ መዓልቱ ቀጺሉ ውዒሉ።

ኣብቲ ወኪል ሚኒስተር ባህሊ ኣውስትራልያ፣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝመጹ ዜጋታትን ኣዕሩኽ ኤርትራን፣ ከምኡ’ውን ወከልቲ ማሕበረኮማት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተረኽቡሉ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፣ ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣቶ በሺር እድሪስኖር ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ጥሙር መደባት መኸተ ሸቶኡ ኣብ ዝወቕዓሉን ዝተኣልመ ውዲታት ኣላሽ ኣብ ዝበለሉን በቲ ሓደ፣ ሳላ ዕዙዝ ተሳትፎን ኣበርክቶን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ መደባት፣ ኤርትራ ኣብ ሓድሽ ቍጠባዊ መድረኽ ኣብ ዝደየበትሉ ድማ በቲ ካልእ ይካየድ ምህላዉ ፍሉይነት ከምዘለዎ ኣብሪሁ።

እዚ እተጠቕሰ ዕብየት ሳላ ጽንዓትን መኸተን ህዝቢን ሓይልታት ምክልኻልን፣ ከምኡ’ውን ውፉይን ንጹር ራኢ ዘለዎን መሪሕነት ከምእተመዝገበ ዝጠቐሰ ኣቶ በሺር፣ “ህዝቢ ኤርትራ – ሎሚ’ውን ንኹሉ ድልው ብምዃን፣ ብውህደት ንሃገሩ ግምጃ ከምዝስልማ ዘጠራጥር የለን” ክብል ኣስሚሩሉ።

ኣብ’ዚ ክሳብ 13 ጥሪ ዝቕጽል ዓመታዊ ፈስቲቫል፣ ብላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ዝካየድ ሰሚናር፤ ምስ ኤርትራን ጸጋታታን ዘላልን ኣብ መደባት ልምዓት ተመዝግቦ ዘላ ገስጋስን ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት፤ ውድድራት ሓፈሻዊ ፍልጠት፣ ስነ-ጽሑፍን ግጥምን ቈልዑ፤ ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታትን ካልእ መሰናድኦታትን ከምዝቐርብ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ነቲ ፈስቲቫል ንምድማቕ ካብ ኤርትራ ዝኸደት ወናማት ድምጻውያን ዝሓቘፈት ጉጅለ ባህሊ ኣሰር፣ ብባህላውን ሃገራውን ዜማታት ንተሳተፍቲ ክተዘናግዕ ምዃና ዝጠቐሰ’ቲ ሓበሬታ፣ እቲ ዓመታዊ ምትእኽኻብ መርኣያ ሓያል መኸተ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ከምዝኾነ ኣነጺሩ።

***** ኣ.ዜ.ኤ. *****

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada

Diaspora News – Global compact for safe,...

Campaign to make Westerners aware of Ethiopia’s...