November 16, 2012

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ቐጠር ሎሚ 15 ሕዳር ብወግዒ ተኸፊቱ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ቐጠር
ሎሚ 15 ሕዳር ብወግዒ ተኸፊቱ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ቐጠር፣ ሎሚ 15 ሕዳር ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ከምእተኸፍተ፣ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ኣብ’ቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፣ ኣምባሳደራትን ወከልቲ ሃገራትን ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ነበርቲ ቐጠርን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮምን ሽማግለ በዓላትን ኣብ ቐጠር ኣቶ ጣህር መሓመድ ኣረይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ነዚ ፈስቲቫል ንምምዕራግ ሓያል ምድላዋት ከምእተኻየደ ብምምልካት፣ ዕዙዝ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኤርትራውያን መጒሱ።

ንድምቀት’ቲ ዓመታዊ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ዝተዳለወ ስእላዊ ምርኢት፣ ብሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብርን ሚኒስተር ባህላዊ ጉዳያት ቐጠር ሓመድ ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣልከዋሪን መሪቖም ከፊቶምዎ።

እቲ ስእላዊ ምርኢት፣ ንታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሕርሻውን ልምዓታውን ንጥፈታት፣ ባህልን ቅርስን፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ዝተሰላሰሉ ዕማማት፣ ከምኡ’ውን ንመንነት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ዝተፈላለዩ ኢደ-ስራሓትን ካልእ ስነ-ጥበባዊ ፍርያትን ዘጠቓለለ’ዩ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ቐጠር፣ ክሳብ 17 ሕዳር ብባህላዊ ናይ ምዝንጋዕ መደብን ሰሚናር ህዝባዊ መኸተን ክቕጽል ምዃኑ፣ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብ ከተማ ኣደውሓ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...