July 22, 2013

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሆላንድ ብልዑል ማዕርግ ተቓኒዑ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሆላንድ
ብልዑል ማዕርግ ተቓኒዑ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሆላንድ  ብልዑል ማዕርግ ተቓኒዑ።

መበል 12 ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሆላንድ፡ “መኸተ ድርዕና – ስራሕ ክብርና” ብዝብ
ቴማ፡ ላዕለዎት ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታትን ዕድመ ዝተገብረሎምን ኣብ ዝተረኽቡሉ ካብ 19 ክሳብ 21 ሓምለ ተቓኒዑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳ
ሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህ
ደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ በዓላትን ፈስቲቫ
ን ሆላንድ ኣቶ ኣሰፋው ታፍላ ኣብ ዘስመዖ ቃ
፡ ንሕብረ-ብዙሕ ተጻብኦታት ብምምካት ኣብ ልምዓታዊ ገስጋስ ጭቡጥ ውጽኢት ኣብ ዝምዝገበሉ ዘሎ እዋን ዝበዓል ዘሎ ፈስቲቫል፡ መርኣያ ሓያል ጥምረቶምን ምስ ሃገሮም ዘለዎም ጽኑዕ ምትእስሳርን ከምዝኾነ ገሊጹ።

ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ኣቶ ሰለሙን መሓሪ ብግደኡ። ህንጸት ሃገር ቀጻልን ውሱን ምዕራፍ ዘይብሉን ጉዕዞ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ብጽንዓትን ሓያል መኸተን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝባ፡ ዜጋታታ ዝዀርዑላ ብልጽግትን ሕፍርትን ሃገር ከምእትኸውን ዘጠራጥር ከምዘየለ ኣብሪሁ።

ኣቶ ሰለሙን ኣስዒቡ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ ነቲ መንግስቲ ኣርሕይዎ ዘሎ ንዜጋታት ቀዳምነት ዝህብ ዕድላት ወፍሪ ብእኩብ ኮነ ብውልቂ ክጥቀሙሉ ብምዝኽኻር። ናጽነት ንምምጻእን ልኡላውነት ንምውሓስን ዝሓለፉ ሰማእታት ንዝገደፍዎም ስድራ-ቤት ምሕብሓብን ምንባይን ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ስለዘይኮነ፡ ኩሉ ዜጋ በብዓቕሙ ክዋሳእ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብመንነቱ ዝዀርዕን ዝሕበንን ምዃኑ ዘነጽር ምርኢት ኣብ ሆላንድ ብዝተወልዱን ዝዓበዩን ቈልዑን መንእሰያትን ክቐርብ እንከሎ፡ እቲ ፈስቲቫል ካብ ኤርትራ ብዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ዋልታ ማዕሪጉ ምንባሩ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

***** ኣዜኤ*****

Government of Eritrea sends message of condolences

Southern region 18th regular Assembly meeting

Omhajer-Humera border point re-opened

Senior Eritrean delegation on working visit to...

Eritreans welcome New Year 2019 with enthusiasm

Ambassador Semere Russom presents credentials