November 19, 2012

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ቐጠር ተዛዚሙ።

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ
ሃገረ ቐጠር ተዛዚሙ።

ብ15 ሕዳር ብውዕውዕ ሃገራዊ መንፈስ ዝጀመረ 4ይ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ቐጠር፣ ብ17 ሕዳር ብዝተኻየዱ ንጥፈታትን ኣኼባ ህዝባዊ መኸተን ተዛዚሙ።

እቶም ዜጋታት፣ ህዝቢ ተጠቃሚ ጸጋታት ሃገር ዝኾነሉ ባይታ ንምፍጣርን ማሕበረ-ቊጠባዊ መነባብሮኡ ንምምሕያሽን ብመንግስቲ ንዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዘለዎም ኣድናቖት ብምግላጽ፣ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋትን መኸተኦም ንምሕያልን ካብኦም ዝሕተት ከም ዘማልኡ፣ ኣብ ዝተቓንዐ ንህልው ኩነታት ሃገርን ሃገራዊ መደባት መኸተን ዝምልከት ሰሚናር ኣረጋጊጾም።

በብእዋኑ ዝሰላሰሉ ዘለው ዓበይቲ ልምዓታዊ መደባት፣ ንሓያል ኤርትራዊ ናይ መኸተ መንፈስን ናይ ምግባር ዓቕሚን ዘነጽሩ ምዃኖም ዝጠቐሱ እቶም ዜጋታት፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ንምዕዋትን መደባት ህዝባዊ መኸተ ንምሕያልን መሳርዖም ኣስጢሞም ከምዝሰርሑ ገሊጾም።

ነቲ ሰሚናር ዘካየደ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፣ ህዝብን መግስትን ኤርትራ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ናይ ደገ ተጻብኦታት ደው ኢሎም ሃገራዊ ቊጠባዊ ዕቤት ንምርግጋጽ ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን ንዘርእይዎ ዘለዉ ዕዙዝ ሱታፌ ብምምስጋን፣ “ሃገርና፣ ልኡላውነትና፣ ክብረትናን ህላዌናን ዕላማ ጸላእትን ተጻባእትን ክሳብ ዝኾነ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ከም ወትሩ መኸትኡ ከሐይል ይግባእ” ክብል ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ዓብደላ ኣስዒቡ፣ ናጽነት ዘረጋገጸ፤ ልኡላውነት ዘውሓሰ፤ ኣብ ጐደና ልምዓት ድማ ቅያ ዝሰርሕ ዘሎ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንጸላእቲ ናብ ናይ ቅብጸት መድረኽ ከምዘብጽሖም ብዝርዝር ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፣ ተጻብኦታት ጸላእቲ ብኣንጻር ዕላማ ሓለምቶም ንሓይልን ሓድነትን ህዝብ መሊሱ ከምዘትርሮ ብምምልካት፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናብ ዝተረጋግአ ማሕበራዊ፣ ቊጠባውን ፖለቲካውን መድረኽ ክሰጋገር በቒዑ ከምዘሎ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ሃገረ ቐጠር ዝነብሩ ኤርትራውያን ንልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ካብ 2009 ጀሚሮም ዓመታዊ ዘካይድዎ ዘለዉ ፈስቲቫል፣ ባህሎምን መንነቶምን ዓቂቦም ንክኸዱን ደቆም ብክብርታት ሕብረተሰቦም ንክዅስኰሱን፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓድነቶም ኣትሪሮም ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት ንኸዕዝዙ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምግላጽ፣ ኣብ መጻኢ ብዝለዓለ ማዕርግን ተሳትፎ ከምዘካይድዎ ኣረጋጊጾም።

******** ኣ.ዜ.ኤ ********

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...