May 26, 2012

ጽንብል ናጽነት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ደስታን ሓበንን ዝሰረቱ ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ጽንብል ናጽነት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ደስታን ሓበንን ዝሰረቱ ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ጽንብል ናጽነት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ደስታን ሓበንን ዝሰረቱ፣ ካብ ጻት ንጻት ሃገር፣ ኣብ ከተማታት ይኹን ኣብ ርሑቕ ገጠራት፣ ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡሉ ኩርናዓት ዓለም – ብሓደ ዓይነት ድምቀት ዝበዓል ህዝባዊ ጽንብል ምዃኑ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “24 ግንቦት – ህዝባዊት ኣውደኣመት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓተታ፣ ጽንብል ናጽነት ኤርትራ – ዜጋታት ንዋታውን ኣእምሮኣውን ጸጋታቶም ኣወሃሂዶም፣ ብገዛእ ተበግሶኦምን መሃዝነቶምን ካብ ሓድሕድ ዝበላለጽ ምርኢት ዘቕርቡሉ ህዝባዊ በዓል ምዃኑ ጠቒሱ፣ ህዝቢ ኣበየ ከባቢኡ ብሓባር ዘዳልዎ ናይ ምዝንጋዕ መደባት፣ ጕልሕ መርኣያ ህዝባውነት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ምዃኑ ኣብሪሁ።

“ፍሉይነት ኣከባብራ በዓል ናጽነት ኤርትራ፣ ካብ ፍሉይ ታሪኻዊ ክውንነት ናይ’ዚ ሃገር ዝብገስ’ዩ” ዝበለ እቲ ሓተታ፣ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ናጽነቱ ምስ ተነፍጐ፣ ኣብ ዓለምና ብጽንኩርነቱ ዛጊት መዳርግቲ ዘይተረኽቦ መሪር ሓርነታዊ ተጋድሎ ከካይድ ከምእተገደደን መላእ ህዝቢ ብገዛእ ድሌቱን ፍቓዱን ብህይወትን ኩሉ ዓይነት መስዋእትን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝገበረን ኣመልኪቱ።

ዕለተ ናጽነት ኤርትራ ፍልይትን ድምቕትን ዝገብራ፣ መላእ ህዝቢ መዳርግቲ-ኣልቦ ስቓይን ምረትን ጸይሩ፣ ረዚን ዋጋ ከፊሉ፣ ብተኣምራታዊ ጅግንነቱ ክውን ዝገበራ ዕለት ብምዃና ከምዝኾነ ዘመልከተ’ቲ ሓተታ፣ ድሕሪ ናጽነት፣ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ብምድፋር፣ ትስፉውን ኣብነታውን ጉዕዞኡ ንምዅላፍ ዝተኻየደ ፍሹል ሃቐነታት’ውን፣ ንሃገራዊ ታሪኹን ሓበኑን ዝያዳ ኣዕዚዝዎ ከምዝርከብ ኣገንዚቡ።

እቲ ሰሙናዊ ሓተታ ኣብ መወዳእታ፣ መበል 21 ጽንብል ናጽነት ኤርትራ፣ ከም ኩለን ዝሓለፋ ጽንብላት፣ ብልዑል ድምቀትን ማዕርግን ምጽንባላ፣ ነቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ክብታኡ ፍጹም ዘይጐድል ብርቱዕ ሃገራዊ ፍቕሪ ኤርትራውያን፤ ነቲ መመሊሱ እናተረረ ዝኸይድ ስጡም ሃገራዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ንትስፉው መጻኢኡን ዝምስክር፤ ንተጻባእቲ ሓርነት ድማ ተስፋ ዘቚርጽ ምዃኑ ብምሕባር፣ “ምስጋና ነቲ ጽንብል ናጽነቱ ናብ ተባሃጊ ኣውደኣመት ቀዪሩ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ቤትን ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋን ከምዝስረት ዝገበረ፣ መጸበቕ ውራዩ ስልጡን ህዝቢ ኤርትራ” ክብል ደምዲሙ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...