May 10, 2013

ጽንብል ናጽነት ምስ ህዝቦም ንምብዓል፣ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ።

ጽንብል ናጽነት ምስ ህዝቦም ንምብዓል፣ ብርክት ዝበሉ
ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ።

ጽንብል ናጽነት ምስ ህዝቦም ንምብዓል፣ ብርክት ዝበሉ  ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ።ዓመት መጸ ጽንብል ናጽነት ኣብ ሃገሮም ንምብዓል – ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ከምዝውሕዙ ዝፍለጥ’ዩ። ሎሚ ዓመት’ውን ድሮ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ክኣትዉ ጀሚሮም ኣለዉ። ሄኖክ ፍረ-ሚካኤል ጸብጻብ ኣለዎ።

“መኸተ ድርዕና – ስራሕ ክብርና” ብዝብል ቴማ ዝጽንበል መበል 22 ዓመት ናጽነት ኣብ ሃገሮም ንምብዓል፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ መገድታት ኣየር ይኣትዉ ኣለዉ።


እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣውስትራልያን ኣፍሪቃን ብመገዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ድሮ ዝኣተው ዜጋታት፣ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራዊ ኣብ ዘለዎ ቦታ ትበዓል’ኳ እንተኾነት፣ ኣብ ሃገርካ ምስ ህዝብካ ብዝለዓለ ድምቀት ምጽንባላ ግን መወዳድርቲ ከምዘይርከቦ ብምሕባር፣ ነዚ ፍሉይ ማዕርግ ምስ ህዝቦም ንምስትምቓር ከምዝመጹ ኣብሪሆም።

ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጻ ወይዘሮ ጽገ ጸጋይን ዮዲት ገረዝግሄርን ንኤሪና ኣብ ዝሃብኦ ሓበሬታ፣ ነዚ ክቡር በዓል ኣብ መንጎ ህዝበን ብኣካል ተረኺበን ክጽንብልኦ ከምዝመጻ፤ ብዙሓት ካልኦት ዜጋታት’ውን ናብ ሃገሮም ክመጹ ተዳልዮም ከምዘለዉ ሓቢረን።

“ናጽነት ንዓና ንኤርትራውያን ፍሉይ ትርጕም’ዩ ዘለዎ” ዝበሉ – ካብ ሽወደን ዝመጸ ኣቶ ቴድሮስ ዘገርግሽን ካብ ኣቡዳቢ ዝመጸት መንእሰይ ፍረወይኒ ታደሰን፣ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ቅድሚ ሃገሩ ዝሰርዖ ከምዘይብሉ ወትሩ ብግብሪ ዘረጋግጽ ኤርትራዊ ምዃኑ ብምምልካት፣ እዚ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ፣ ኣብ መንጐ ኤርትራን ህዝባን ንዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ዘነጽርን ፍሉይ ትርጉም ዘለዎን ከምዝኾነ ኣረጋጊጾም።

ድሕሪ 27 ዓመት ካብ ኣቡዳቢ ናብ ሃገራ ከምዝመጸት ዝሓበረት ወይዘሮ ብርጭቆ ካሳ ድማ፣ ኣብ ሃገርካ ምስ ህዝብኻ እትገብሮ ጽንብል ፍሉይነት ከምዘለዎ ብምምልካት፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ድሙቕ ኣጋጣሚ ደቅኻ ሒዝካ ምምጻእ፣ ባህሎም፣ መንነቶምን መሬቶም ክፈልጡ ከምዝሕግዝ ኣስሚራትሉ።

****** ኣ.ዜ.ኤ. ******

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...