October 6, 2011

ጽኑዕ ምትእስሳር ህዝብን መንግስትን፣ ኣብ ፍሉይ ክውንነት ናይ’ዚ ሃገር ተዀስኵሱ ዝዓበየ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ምዃኑ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ጽኑዕ ምትእስሳር ህዝብን መንግስትን፣ ኣብ ፍሉይ ክውንነት ናይ’ዚ ሃገር ተዀስኵሱ ዝዓበየ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ምዃኑ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ጽኑዕ ምትእስሳር ህዝብን መንግስትን፣ ኣብ ፍሉይ ክውንነት ናይ’ዚ ሃገር ተዀስኵሱ ዝዓበየ፣ ካልኦት ህዝብታትን መንግስታትን ተማህሊሎም ክረኽብዎ ዘይክእሉ፣ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ምዃኑ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ምስኩር ሃገራዊ ጥምረት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓተታ፣ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መበል 66 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተረኽበሉ ቅነ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን፣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ብምውሓዝ ዝገበሩሉ ድሙቕ ኣቀባብላን ኣብቲ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ዝነበረ ውዕዉዕ መንፈስን፣ ንምስኩር ሃገራዊ ጥምረት ኤርትራውያን መሊሱ ብምዅላዕ፣ ንፈተውቲ ባህታ ኣስኒቑ፣ ንጸላእቲ ተስፋ ዘቕበጸ ብርቂ ፍጻመ ምንባሩ ኣስሚሩሉ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ነዊሕን መሪርን ሓርነታዊ ቃልሱ፣ ንኣገዳስነት ሃገራዊ ጥምረት ብዝምልከት ሃብታም ተመኵሮ ከምዝቐሰመ ዝጠቐሰ’ቲ ሓተታ፣ መሪሕነት ከኣ ካብቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ናይ ጥምረት ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብ እዋን ገድሊ – ውሱን ሃገራዊ ዓቕምና ኣብ ጽላል ኣብነታውን ውፉይን መርሓ ሳላ ዝሰመረ፣ ኣብ ዓለምና መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ተኣምር ከምእተሰርሐ፤ ድሕሪ ናጽነት’ውን ስሑው ሃገራዊ ጸጋና ብልዑል ውዳበን ውፉይ መሪሕነትን ንልምዓት ሳላ ዝኸተተ፤ ምስናይ ኩሉ ዞባውን ዓለማውን ብድሆታት፣ ዘይስገር ዝመስል መሰናኽላት ሰጊርና፣ ኣብ ኣጸደ ራህዋን ብልጽግናን ክንዓልብ ከምዝበቓዕና ብምንጻር፣ “ፍረ ጥምረት ብግብሪ ዘስተማቐረ ውርዙይ ፖለቲካዊ ባህልና፣ መሰረቱ ካብ ዝተሓልፈ ሃብታም ተመኵሮ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሓተታ፣ ህይወት መራሒ ኣብ ኤርትራ፣ ዝያዳ ሰብካ እናተወፈኻ፣ ብዘይ ዝኾነ ግላዊ ዓስቢን ሓለፋን ማዕረ ህዝብኻ ተመቕሊልካ ምንባር፤ ዓስቢ መሪሕነት ኣብ ኤርትራ – ርቡሕ ደሞዝ ወይ ካልእ ግንዖ ዘይኮነ፣ ምዕባለ ህዝብን ሃገርን፤ ኣብ ኤርትራ መራሒ ኣብ ማእከል ህዝቢ – ኣነባብራ ተራ ዜጋ፣ እንሓንሳብ’ውን ትሕቲ ተራ ዜጋታት እናነበረ ዝመርሕ ከምዝኾነ ብምምልካት፣ እዚ ውርሻ ተጋድሎና ዝኾነ ውፉይ ኣመራርሓ’ዚ፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ውሑዳት ገዲፍካ ብሰፊሑ ተራዒሙ ይቕጽል ምህላዉ ኣስሚሩሉ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

President Isaias met and held talks with Crown...

Agreement on Peace, Friendship and Comprehensive...

Meeting of Presidents Isaias Afwerki and Ismail...

President Isaias met and held talks with Crown...

Eritrean Delegation led by Mr. Abdelkadir Hamdan...

الملك سلمان يرعى اتفاقية السلام بين إريتريا...