October 4, 2013

ጽምብል መበል 52 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከተማ ከለን ብዓወት ተዛዚሙ

ጽምብል መበል 52 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ኣብ ከተማ ከለን  ብዓወት ተዛዚሙ

ጽምብል መበል 52 ዓመት ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከተማ ከለን  ብዓወት ተዛዚሙ

ኤርትራውያን ተቐማጦ ከለንን ከባቢኣን ብምኽንያት መበል 52 ዓመት ምጅማር ቃልሲህዝቢ ኤርትራ  ብዕለት 14.09.2013  ካብ ስዓት 12.00 ክሳብ ስዓት 21.00  ብኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከተማ ከለን ተዳለወ ፡ “ቅድም ቀዳድም ንሃገራዊ ሓድነት ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ  ኣታዊኡ ንሓደ ትምህርቲ ቤት ኣብ ኤርትራ  ዝዕል ፡  ሕጻናትን መንእሰያትን ወለድን ዘሳትፍ ዕዉት በዓል ተኻይዱ። መደብ ብዓል ብዝኽሪ ሰማእታት ተኸፍተ፡ ኣቦ መንበር ህ.ግ.ደ.ፍ.ከለን ኣቶ እስቲፋኖስ ወልደ ንተሳተፍቲ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብድሕሪ ምቕራብ “መግለጺ ህዝባዊ ግንባር ንባሕቲ መስከረም” ታሪኻዊ መግለጺ  ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንበበ።  

ከምቲ ልሙድ ሓድነታዊ ባህርያት ውዳቤታት  ከተማ ከለን ንኹሎም ሃገራውያን ተቐማጦ ከለንን ከባቢኣን ዝዕድም  ተፈላለዩ መጻወቲ ናይ ሕጻናት ፡ ንመንእሰያትን ዓበይትን  ብህላውን ዘመናውን መዘናግዒን ፡ ናይ ግሪል (ባቢክዩ) እንግዶትን  ካልእ ተፈላለዩ መደባት ዘማልኤ ፡ በዓል እዩ ተኻይዱ። ዕድመ ኣኽቢሮም ነቲ ኽቡር በዓል ንምጽንባል ዝመጹ ሃገራውያን ተሳተፍቲ ብዝተራእየ ሕጉስን ሓድነት ዝመልኦ ሃዋህውን ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀትን ምዓርግን ብምሃብ ፡ መደብ ጽምብል በዓል ሓደ መስከረም ኣብ ከተማ ከለን ብዓወት ክዛዘም ከሎ ፡ ተሳተፍቲ ብዓል ድማ ንዓመታ ከምዚ የድግመና እናበሉ ብጽቡቕ ምንዮት ተፈላለዩ።
ዓወት ንሓፋሽ
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ነቶም ምእንታና በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ
ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከተማ ከለን
ዕለት 18.09.2013

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...