July 1, 2013

ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ማእከል። ጂኦግራፍያዊ ስርዓተ-ሓበሬታን ካርታን ኣጻፊፉ፣

ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ማእከል።
ጂኦግራፍያዊ ስርዓተ-ሓበሬታን ካርታን ኣጻፊፉ፣

ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ማእከል። ጂኦግራፍያዊ ስርዓተ-ሓበሬታን ካርታን ኣጻፊፉ፣ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ማእከል። ንሓፈሻዊ ኩነታት መሬት ኣብ ዞባ ማእከል ዝምልከት ጂኦግራፍያዊ ስርዓተ-ሓበሬታን ካርታን ንምድላው ከካይዶ ዝጸንሐ ስራሕ ከምእተጻፈፈ። ብ28 ሰነ ኣብ ኣዳራሽ ዞባ ማእከል ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ገሊጹ፣

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ማእከል ክኢላ ምሕደራ ሓመድን ማይን ኢንጅነር ምሕረትኣብ ዮውሃንስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ። ዕላማ ምእካብ ጂኦግራፍያዊ ስርዓተ-ሓበሬታን ምድላው ካርታን። ዝርግሐ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብግቡእ ምልላይ፤ ገምጋም እቶታውነት ምንጻር። ዝተገረበን ዘይተገረበን ቦታታት ምንጻርን ውጥን ምድላውን ምዃኑ ብምሕባር። ዛጊት ኣብ ዞባ ማእከል ውሕሉል ኣጠቓቕማ ጸጋታት ንምክያድ ዘኽእል መጽናዕቲ ተሰላሲሉ። ዝርግሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብንጹር ተፈሊጡ ከምዘሎ ኣብሪሁ፣

ኢንጅነር ምሕረትኣብ ኣስዒቡ። በቲ መጽናዕቲ መሰረት። እቶታውነት ዘራእቲ ብመንጽር ግቡእ ኣጠቃቕማ መሬትን ምሕደራን ንምግምጋም ከምእተኻእለ፤ እቶታውነት ልምዓት ሃብቲ እንስሳ። መጋሃጫ። ልምዓት ሓምላይ መግቢ እንስሳ። ከምኡ’ውን ልዕልን ትሕትን ዲጋ ዝርከብ ዝለምዕ መሬት ከምእተለለየ ብምሕባር። ኣብ ዞባ ማእከል ካብቲ ክግረብ ዝግብኦ መሬት 39 ሚእታዊት ተገሪቡ ምህላዉ ሓቢሩ፣

ኣብ ዞባ ማእከል ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓትን ምክልኻል ብቝልን ኣቶ ኣስራት ሃይለ ብግደኡ። ጂኦግራፍያዊ ስርዓተ-ሓበሬታን ካርታን ዞባ ማእከል ንምድላው ኩሎም ክኢላታት ሕርሻ ዝተሳተፍዎ መጽናዕቲ ኣብ ብምልአን ዓድታት ከምእተኻየደ ብምሕባር። ኣካላት መንግስትን ምምሕዳራትን ንዝገብርዎ ምትሕብባር ኣመስጊኑ፣

“እቲ ዕዮ። ንምዕባለ ዝድርኽ ርጡብ ስራሕ’ዩ” ዝበሉ ኢንጅነር ዮውሃንስ ተኸስተን ወይዘሮ ራህዋ ዘርአን። እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ንትግባረ’ቲ ስራሕ ንዝተሓልፈ ጻዕሪ ዘነጽር ምዃኑ ጠቒሶም። ተዳልዩ ዘሎ ሓበሬታ ንስሉጥነት ዝትግበር መደባት ልምዓት ሓጋዚ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፣

ኣብ መዛዘሚ – ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት ኣብ ዘስመዖ ቃል። ኩሉ መደባት በቲ ዝተወጠኖ ንኽትዛዘምን ዝተርፈካ ዕማማት ከተለልን ንጹር ስርዓተ ሓበሬታን ካርታን መሰረታዊ ከምዝኾነ ብምምልካት። እዚ መደብ ቀጻልነቱ ንምውሓስ ኩሉ ብግቡእ ክከታተሎ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መስርሕ ምግራብ ተነጺሩ ዘሎ ሓበሬታ። ነቲ ኣብ 2020 ምሉእ ብምሉእ ክዛዘም ብዕቱብ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ምግራብ ንምዕዋት ድርኺት ከምዝፈጥር ብምግላጽ። ጂኦግራፍያዊ ስርዓተ ሓበሬታን ካርታን ንምድላው ንዝጸዓሩ ክኢላታት መጒሱ፣

***** ኣ.ዜ.ኤ. *****

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...