October 27, 2015

ጋዜጣዊ መግለጺ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝወሰዶ ስጒምቲ፡ ንሕጋዊ ስልጣኑ ዘማህምን’ዩ

ጋዜጣዊ መግለጺ
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝወሰዶ ስጒምቲ፡
ንሕጋዊ ስልጣኑ ዘማህምን’ዩ

Ministry of Informationባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2009ን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2011ን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝበየኖም ምኽኑይ ባይታ ዘይብሎም ዘይሕጋውያንን ዘይፍትሓውያንን እገዳታት፡ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕጽሉ ብ23 ጥቅምቲ ውሳኔ ምሕላፉ፡ ዘሕዝን’ዩ።

ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኤርትራ፡ ንኣልሸባብ ንምሕጋዝ 2000 ሰራዊት ናብ ሶማል ከምዝለኣኸት ብሓሶት ተኸሲሳ። እዚ ጭብጢ ዘይተረኽቦ ናይ ሓሶት ክሲ፡ ኣብ 2011 እውን ተደጊሙ። ሓደ ወርሒ ቅድሚ ኣብቲ ዓመት’ቲ ዝሓለፈ ብይን እገዳ ቊጽሪ 2023፡ ኤርትራ ብመገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ባይዶዋ ሰለስተ ጽዕነት ነፈርቲ ኣጽዋር ናብ ኣልሸባብ ከምዝለኣኸት ብሓሶት ተኸሲሳ።

እዚ ክስታት’ዚ፡ ውጹእ ሓሶት’ዩ። እንተኾነ ግን፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘይፍትሓዊ እገዳታት ክብየን ዘንቀዱ ተጻባእቲ ባእታታት፡ ከም ምኽንያት ኣገልጊሉ’ዩ።
ድሕሪ ሽድሽተ ዓመታት፡ ኩለን ኣባላት ባይቶ ጸጥታን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብምሉኡን፡ እቶም ኣንጻር ኤርትራ ዝቐረቡ ክስታትን ናይ ሓሶት ምስክራትን ንገለ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ከገልግሉ ዝተማህዙን ዝተፈብረኹን ምዃኖም፡ ኣጸቢቖም ተገንዚቦም ኣለዉ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት – ልክዕ ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ “ተቘጻጻሪ ጉጅለ” (monitoring group) ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምእትሕግዝ ዝእምት ቅንጣብ ጭብጢ ከምዘይረኸበ ኣስሚሩሉ’ሎ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ትሕቲ ንቡር ኩነታት፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐረበ ክሲ ውዱቕ ብምግባር፡ ብሰንኩ ንዝጸንዐ እገዳ ከልዕል ምተገብአ – ብቐዳማይ ደረጃ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ኩነታት ንቡር ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ክንዲ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ስጒምቲታት ብምንጻግ ንኤርትራ ዝኽሕስ፡ ኣንጻር ዕቃበታትን ተቓውሞን ሓያሎ ካብ ኣባላቱ፡ ብጸቕጢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፍሉጣት መሻርኽታን፡ ነቲ ግጉይን ዘይፍትሓውን ብይን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕጽሎ ተገዲዱ’ሎ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ’ዚ ንኤርትራ ግዳይ ዘይፍትሓዊ ስጒምቲ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ ሓደ ጒሉሕ ሓቂ’ሎ። ኢትዮጵያ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብንዕቀት ብምጥሓስ፡ ባድመ እትርከቦ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብወራር ጐቢጣ ትርከብ። ተግባራት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋሕሰ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብቕሉዕ ዝጥሕስ’ዩ። ግደ ሓቂ፡ እዚ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕጋዊ ስልጣኑን ዘዋርድ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ፡ ብመሰረት ዓንቀጻት 39 – 41 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግባእ ስጒምቲ ክወስድ ስልጣን ኣለዎ። እንተኾነ ግን፡ ኢትዮጵያ ጽላልን ጸግዒን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስለዘለዋ፡ ነቲ ስጒምቲ ክወስድ ኣይተብዐን። ብኣንጻሩ፡ ንድሌታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምስሳዩ፡ ባይቶ ጸጥታ ንሕጋዊ ሓላፍነቱን ስልጣኑን ኣማህሚኑ’ሎ። ኤርትራን እቲ ዞባን ንሓጺር እዋን ግዳይ ሳዕቤናት ናይ’ዚ ዘይሓላፍነታዊ ስጒምቲ ሕቡራት ሃገራት ክኾኑ’ዮም። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ቀንዲ ግዳይ ዝኾኑ፡ ኣህጉራዊ ሕጊን ሕጋዊ ስልጣን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምውሓስ ኣህጉራዊ ሰላምን ምርግጋእን’ዮም።

http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_24102015.pdf

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣስመራ : 23 ጥቅምቲ 2015

President Isaias receives message from Kenyan...

Messages of congratulations

Press Statement – Issue is not the lifting...

Joint Statement of the Bahr Dar Meeting Between...

President Isaias Afwerki on working visit to...

Interview of President Isaias Afwerki with...