February 2, 2013

ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ዓብዱራሕማን ማሕሙድ ጃስር፣ ብሕማም ተሰዊኡ።

ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ዓብዱራሕማን ማሕሙድ ጃስር፣ ብሕማም ተሰዊኡ።

ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ዓብዱራሕማን ማሕሙድ ጃስር፣ ብሕማም ተሰዊኡ።ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት – ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ዓብዱራሕማን ማሕሙድ ጃስር፣ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ 2 ለካቲት ተሰዊኡ።

ኮሎኔል ዓብዱራሕማን ማሕሙድ፣ ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ድሕሪ ምስላፍ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ’ዩ።

ስውእ ኮሎኔል ዓብዱራሕማን ጃስር፣ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ውሉድን’ዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስውእ ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ዓብዱራሕማን ማሕሙድ ጃስር፣ ጽባሕ 3 ለካቲት ሰዓት 4፣00 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት፣ ብመስዋእቲ ኮሎኔል ዓብዱራሕማን ማሕሙድ ጃስር ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለጸ፣ ንስድራቤቱን ፈተውቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Ambassador Yohannes holds talks with South Sudan...

Minister Osman Saleh holds talks with Luxemburg...

President of Guinea arrives in Massawa

Official commemoration of Operation Fenkil

President Isaias met and held talks with Mr. Neven...

President Isaias Afwerki Meets Abu Dhabi Crown...