August 28, 2015

ገዲም ተጋዳላይ መሓመድኣማን ኣደም ዓብደልቓድር (ገበል) ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ መሓመድኣማን ኣደም
ዓብደልቓድር (ገበል) ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ መሓመድኣማን ኣደም ዓብደልቓድር (ገበል) ተሰዊኡኣባል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድኣማን ኣደም ዓብደልቓድር (ገበል)፡ ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ መፋርቕ 1960ታት ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድኣማን ኣደም፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሃገረ ሱዳን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ25 ነሓሰ’ዩ ተሰዊኡ። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድኣማን ኣደም፡ ብ26 ነሓሰ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ከተማ ካርቱም – ሱዳን ተፈጺሙ።

ገዲም ተጋዳላይ መሓመድኣማን ኣደም፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ውሉድን’ዩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድኣማን ኣደም ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ ፈተውቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Eritrean Delegation in Khartoum

Eritrea participates at 37th AU Council of...

President Isaias returns home concluding working...

Electricity and Youth Empowerment: Eritrea’s...

Somali president returns home concluding two-day...

China: Contributing to World Peace and Development