March 24, 2013

ድምጺ ሓቂ ዝተዓወተሉ፡ ነጎድጓዳዊ ሰላማዊ ሰልፊ

ድምጺ ሓቂ ዝተዓወተሉ፡
ነጎድጓዳዊ ሰላማዊ ሰልፊ

ድምጺ ሓቂ ዝተዓወተሉ፡  ነጎድጓዳዊ  ሰላማዊ ሰልፊ

(Alenalki) Report
”ካብ ዘረባ ከደምቲ፡ ድምጺ ብዙሓትን ሓቀኛታትን ይሰማዕ!” ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ምግሃስ መሰል ንምኵናንን ጠለባቶም ናብ መንግስቲ ሽወደን ንምቕራብን ዝዓለመ ሰፊሕን ዕዉትን ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብዓርቢ 22 መጋቢት ኣካይዶም። ንሶም፡ ”ተጻብኦን ጸለመን ኣንጻር ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ደው ይበል፣ ፈነወ ሜዲያ ሽወደን፡ ፍትሓውን ሚዛንውን ይኹን፣ ምኽፋል 2% ግቡአይን ፍታወይን ኢዩ፣ ኣብ ሽወደን ኣፈላላይ ኣይንቕበልን፣ መሰልና ይከበር…” ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት እናቃልሑ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ብእግሪ ተጓዒዞም፣ ኣብ ፊት ህንጻ ባይቶ ሽወደን ደው ብምባል፡ ጻውዒት ”ድምጽና ይሰማዕ!” ኣቕሪቦም።

ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤ.ማ.ሽ) ኣቶ ቢንያም ምስግና፡ ሰልፊ ዝገበርሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ እቶም ኣብ ቅዋም ሽወደንን ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ዝሰፈሩ ዓለማውያን መሰላት፡ ንኤርትራውያን­ሽወደናውያን ዝተነፍጎም መሰል ምእካብ፡ ምዝራብን ካልኦት ሲቪላዊ መሰላትን ንኽኸብሩ ዝጽውዕ ምዃኑን፣ ብፍላይ ድማ፡ ስቕታ ኣብ ጉዳይ ምቅጻል ሰለስተ ኤርትራውያን ማእከላት ንምኹናንን ቆላሕታ ኪግበረሉ ንምዝኽኻርን ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ንኽቀርቡ ዝጠልብን ከም ዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣቶ ቢንያም ምስ’ዚ ኣተኣሳሲሩ፡ ብመሰረት ጻውዒት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኩሎም’ቶም ኣብ ሽወደን ዘጋጥምዎም ጸገማትን መፍትሒኦምን ኣመልኪቶም ከም ኣተዘራረቡ ብምግላጽ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ናብ ኩለን መንግስታዊ ትካላት ሽወደን ኸመሓላልፎ ቃል ከም እተኣተወሎም ሓቢሩ። ወከልቲ ኤማሽ ብግዲኦም፡ ሽወደን ከም ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት መጠን፡ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምትግባር፡ ሓላፍነታዊ ተርኣ ክትጻወት ጸዊዖም። ንወኪል ሚንስትሪ ፍትሒ’ውን ተመሳሳሊ ሓበሬታ ከም ዝሃ ካብ ተሳተፍቲ ሰልፊ፡ ነባሪ ሶልና ኣቶ ተኽለ መንግስተኣብ፡ ሰልፊ ኣብ እዋኑ ምትግባሩ፡ ንጹርን ዝተዓለመሉ መልእኽቱ ከም ዘመሓላልፍን ብምግላጽ፡ ወጽዓ ኤርትራውያን­ሽወደናውያን ህዝቢ ሽወደን ንኺፈልጦን ኪዝትየሉን ንምዝኽኻር፡ ካብ ትራፍ ሓዊ ማእከሎም ዝኾነ ንብረትን ፍርቀን ዝተቓጸላ ባንዴራ ኤርትራን ሽወደንን ሒዞም፡ ይጉዓዙ ምህላዎም ሓቢሮም።

ኣብ  መዛዘሚ’ቲ  ሰለፊ፡ ወከልቲ ናይ’ተን ዝተቓጸላ  ሰለስተ

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada

Diaspora News – Global compact for safe,...

Campaign to make Westerners aware of Ethiopia’s...