May 19, 2011

ድሙቕ ጽንብላት ናጽነት፣ መርኣያ ጽንዓትን ድልዱል ሓድነትን ከምዝኾነ፣ ምሁራት ዜጋታት ገሊጾም።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርናን ኤርትራውያን ኣብ ዝነብሩለን ሃገራትን ዝካየድ ድሙቕ ጽንብላት ናጽነት፣ መርኣያ ጽንዓትን ድልዱል ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ፣ ምሁራት ዜጋታት ገሊጾም።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ብዘለዎ ስጡምን ድልዱልን ሓድነት፣ ካብ ካልኦት ኣህዛብ ፍሉይ ከምዝኾነ ዝጠቐሱ እቶም ምሁራት ዜጋታት፣ ሳላ’ዚ ጽኑዕ ሓድነቱ ድማ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ – ኣንጻር ኩሎም መሰናኽላትን ውዲታትን ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ሓዂሩ ምህላዉ ሓቢሮም።

እቶም ምሁራት ኣብ ጽንብል ናጽነት ብኣካል ንዝተዓዘብዎ ኩነታት ኣመልኪቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጕዕዞ 20 ዓመታት ናጽነቱ ብዝተጐናጸፎ ዓወትን ጽንብል ናጽነቱ ብድምቀት ክጽንብሎ ብምብቅዑን ከምዘሐበኖም ብምጥቃስ፣ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ተታሓሒዞሞ ዘለዉ ጐደና ርእሰ-ምርኰሳ ብርግጽ ክዕወት ምዃኑ ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ገሊጾም።

“ህዝቢ ኤርትራ ብተጻዋርነቱ፣ ሓይሉን ውህደቱን ዘዅርዕ’ዩ” ድሕሪ ምባል፣ ከምቲ ጕዕዞ ሽሕ ማይል ብሓደ ስጉምቲ ዝፍልም፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ኩሉ መዳያት ኣረጋጊጹዎ ብዘሎ ድሙቕ ዓወታት ከይተዛነየ ዓጸፋ ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።

ዶክተር ተስፋሚካኤል ሃይለን ዶክተር ተስፋይ ሃይለን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዓቢ ድምቀት ዘሕልፎ ዘሎ ጽንብል መበል 20 ዓመት ናጽነት፣ መርኣያ ንሃገሩ ዘለዎ ልዑል ፍቕሪ ከምዝኾነ ኣረጋጊጾም።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...

Meeting of Cabinet Ministers

International Youth Day observed