June 22, 2011

ዲጋ ባደሚት፣ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ልዑል ኣስተዋጽኦ ክህላዋ ምዃኑ ተገሊጹ።

ዲጋ ባደሚት፣ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ልዑል ኣስተዋጽኦ ክህላዋ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር ትህነጽ ዘላ ዲጋ ባደሚት፣ ኣብ መደባት ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክህልዋ ምዃኑ፣ ኣመሓዳሪ ሓውሲ ከተማ ኦምሓጀር ኣቶ ሽመንዲ ወልደገርግሽ ሓቢሩ።

ኣቶ ሽመንዲ፣ ኣብ መስርሕ ህንጸት እትርከብ ዲጋ ባደሚት ምስ ተዛዘመት፣ ካብ ሩባታት ማዕሎባ፣ ገርገፍን ካልኦትን ብዙሕ ማይ ክትክዝን ትጽቢት ከምዝግበረላ ጠቒሱ፣ ብኹሉ መለክዒታት ነቲ ከባቢ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ሃገር’ውን ምንጪ ዝዓበየ ጸጋ ክትከውን ከምእትኽእል ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ኣብ ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት ሓላፊ ፕሮጀክት ዲጋ ባደሚት ኣቶ ሓድሽ ፍጹም ንኣሳልጦ’ቲ ስራሕ ኣመልኪቱ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ስራሕ ከቢድ’ኳ እንተኾአ፣ እኹል ማሺነሪታትን ዓቕሚ-ሰብን ተዋፊሩ ለይትን መዓልትን ሓያል ጻዕሪ ብምክያድ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝምስገን ዕማም ተሳሊጡ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ኣብቲ ዝተመደበላ ግዜ ንምዝዛማ ውሁድ ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ኩባንያ ህንጻ ብድሆ መራሒ ስራሕ ኣቶ ክፍለየሱስ ተስፋጽዮን ብወገኑ፣ ኣብ ሓጺር እዋን እቲ ስራሕ ብናህሪ ክስጕም ምኽኣሉ፣ ንተወፋይነት ኣባላትን ህዝብን ዘነጽር – ዕግበት ዝፈጥር ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ከም መካኒክ ኮይኑ ዝነጥፍ ዘሎ መንእሰይ እስማዒል ማሕሙድን መራሒ ግሬዴር መንእሰይ ሰመረ ሃይለን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ኣቐዲሞም ብዝሰርሕዎ ጽቡቕ ተመኵሮ ከምዝደለቡ ብምጥቃስ፣ ካብ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ሳዋ ዝጽንበርዎም መንእሰያት ነቲ ስራሕ ቀልጢፎም ክመልክዎ ምርኣይ፣ እቲ ዝያዳ ዘቕሰኖም ከምዝኾነ ብምሕባር፣ ኣገዳስነት’ታ ዲጋ ዓቢ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር ትስራሕ ዘላ ዲጋ ባደሚት፣ ምስ ተዛዘመት 32 ሚልዮን ሜተር ኲብ ማይ ናይ ምኽዛን ዓቕሚ ከምዝህልዋ ተፈሊጡ።

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...