April 5, 2011

ደቂኣንስትዮ፣ ንዝዋደድ ዘሎ ትካላት ትምህርቲ ብግቡእ ክጥቀማሉ ኣዴታት እማህሚመ ኣዘኻኺረን።

ደቂኣንስትዮ፣ ንዝዋደድ ዘሎ ትካላት ትምህርቲ ብግቡእ ክጥቀማሉ ኣዴታት እማህሚመ ኣዘኻኺረን።

ንርሑቕ ገጠራት ቀዳምነት ዝሃበ ወፍሪ ትምህርቲ ብደረጃን ዓይነትን እናሰፍሐ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ብሰንኪ መርዓ ትሕቲ-ዕድመን ራሕቂ ቦታን ካብ ትምህርቲ ተጐናዲበን ዝጸንሓ ደቂኣንስትዮ ብግቡእ ክጥቀማሉ፣ ኣብነታውያን ደቂኣንስትዮ እማህሚመ ኣዘኻኺረን።

ምኽፋት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ እማህሚመ ንዝሓለፈን ዕድል ትምህርቲ ኪቕጽልኦ ከምዘኽእለን ዝሓበራ እተን ደቂኣንስትዮ፣ ሳላ ዝግበር ዘሎ ልዑል ወፍሪ ዝረጋገጽ ዘሎ ዝርግሐ ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ነቲ ጠንቂ ምቍራጽ ኮይኑ ዝጸንሐ ምፍላይ ካብ ስድራ-ቤት ከምዝኣለዮ ገሊጸን።

ንሳተን ኣስዒበን፣ ብመደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ካብ ምጥፋእ መሃይምነት ሓሊፈን ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ብምስታፍ ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ዝበጽሓ ብርክት ዝበላ ኣዴታት ምህላወ ብምጥቃስ፣ ምኽፋት ካልኣይ ደረጃ ዝያዳ ምትብባዕን ተገዳስነትን ፈጢሩለን ከምዘሎ ኣረዲአን።

ብ1999 ብሰንኪ መርዓ ኣብ ሓምሻይ ክፍሊ ትምህርታ ከምዘቋረጸት ዝሓበረት ወይዘሮ ዝላማ ፈረጅ መሓመድ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፣ ንዝተራሕወላ ዕድል ተጠቒማ ብዘካየደቶ ጻዕሪ፣ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ካብ ደቃን ገዝኣን ከይተፈልየት ታሽዓይ ክፍሊ ትመሃር ምህላዋ ብምምልካት፣ ትምህርተን ኣቋሪጸን ዝነበራ ኣዴታት ንኽቕጽልኦ ብምምሕዳራትን ሚኒስትሪ ትምህርትን ዝግበር ዘሎ ምትብባዕን ደገፍን ዝያዳ ክድፍኣሉ ተላብያ።

ብ2006 ሓዳር ብምምስራታን ኣብ ቀረባኣ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብዘይምንባሩን ትምህርቲ ከተቋርጽ ከምእተገደደት እትገልጽ ወይዘሮ ፋጥና መሓመድኖር ብወገና፣ ምጅማር ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ እማህሚመ፣ ሓዳራ እናኣለየት ንኽትቅጽል ኣኽኢልዋ ምህላዉ ሓቢራ።

ሕበረተ-ሰብ ብሓፈሻ ወለድን መጻምድን ድማ ብፍላይ፣ ነተን ብሰንኪ መርዓን ርሕቀት ትካል ትምህርትን ኣቋሪጸን ዝጸንሓ ኣዴታት ከተባብዕወንን ዘድሊ ደገፍ ክገብሩለንን ዝተማሕጸና ኣደታት እማህሚመ፣ እተን ደቂኣንስትዮ’ውን ተበግሶን ተገ
ዳስነትን ከዕብያ ከምዝግባእ ኣስሚረናሉ።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias