May 6, 2011

ዞባ ዓንሰባ፣ 22 ሽሕን 834 ትርብዒት ኪሎ-ሜተር ስፍሓት ኣለዎ። ነበርቱ ድማ ልዕሊ 408 ሽሕ’ዮም።

ሲምፖዝዩም ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ፣ “ኤርትራ – 20 ዓመታት ሓበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሎሚ ኣብ ከተማ ከረን ተኸፊቱ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ገርጊስ ግርማይ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ሳላ’ቲ ንምድልዳል ምምሕዳራዊ ኣቃውማን ምብራኽ ተሳትፎን ንቕሓትን ህዝብን ዝተኻየደ ሓያል ጻዕሪ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት፣ ህዝቢ ጉዳያቱ ኣብ ምውሳን፣ ጠለባቱ ኣብ ምምላእ፣ ትግባረ ዝተወጠኑ ልምዓታውን ዳግመ-ህንጻውን መደባት ኣብ ምስላጥ፣ ከምኡ ድማ ሃገራዊ መኸተኡ ኣብ ምሕያል ልዑል ተሳትፎ ከምዘርኣየ ገሊጹ።

መነባብሮ ህዝቢ ንምልዋጥን ስንብራት ኵናት ንምሕዋይን፣ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ፣ ሕርሻዊ ልምዓት፣ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን፣ ማሕበራዊ ድሕነት፣ ቀረብ ማይን ካልእን ናይ ልዕሊ 2.5 ቢልዮን ናቕፋ ወፍሪ ከምእተገብረ ዝገለጸ ኣቶ ገርጊስ፣ ከም ውጽኢቱ ህዝቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረክብ ከምዝኸኣለ ኣብሪሁ።

ዞባ ዓንሰባ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ዝዓብለሎ ብምዃኑ፣ ውሕስነት ትሕተ-ባይታውን ጽፍሓውን ማይ ንምርግጋጽን ሓመድን ማይን ንምዕቃብን ብቀዳምነት ከምእተሰርሓሉ፤ በዚ መሰረት ድማ ሓደ ዓቢ ዲጋ ዝርከቦም 75 ማእከሎትን ንኣሽቱን ዲጋታትን ራህያታትን ሓሙሽተ መእለዪ ወሓይዝን ከምእተሃንጸ ሓቢሩ።

ምውዳድ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምጥርናፍ ዓድታትን ምልዋጥ ህይወት ህዝብን መሰረታዊ ረቛሒ ኮይኑ ምህላዉ ዘመልከተ ኣቶ ገርጊስ፣ ኣብ ምዝርጋሕ ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲ፣ ምስፋሕ ሸፈነ ተንቀሳቓስን ቀዋምን ቴለፎንን ኣገልግሎት መጓዓዝያን ዝጭበጥ ለውጢ ከምእተመዝገበ ኣነጺሩ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰብ ኣቶ ገርጊስ ግርማይ ኣብ መወዳእታ፣ ንብድሆታትን ብልጫታትን ናይ’ቲ ዞባ ድሕሪ ምዝርዛር፣ ምስፋሕ ቀረብ ዝስተ ማይ፤ ምስራሕን ምጽጋንን ኣብያተ ትምህርቲ፤ ምህናጽ መወከሲ ሆስፒታልን መደበራት ጥዕናን፤ ምህናጽ ሸውዓተ ዲጋታትን ሓሙሽተ መእለዪ ወሓይዝን፣ ከምኡ’ውን መንበሪ ኣባይቲ ካብ ናይ መጻኢ መደባት’ቲ ምምሕዳር ዞባ ከምዝኾኑ ገሊጹ።

ጐኒ-ጐኒ’ቲ ሲምፖዝዩም፣ ንገስጋስ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት ኣብ ጽላታት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ሕርሻ፣ ትሕተ-ቅርጽን ካልእን ንዝተምዝገበ ለውጥን ተበጺሑ ዘሎ ደረጃን ዘንጸባርቕ ምርኢት፣ ብሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደሚካኤል ገብረማርያም ተመሪቑ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ’ሎ።

ኣብቲ ምርኢት ብተወሳኺ፣ ንያታን መነባብሮን፣ ቱሪዝማዊ ስሕበት ዘለዎም ጸጋታት፣ ከምኡ’ውን ቍጠባዊ ረብሓ ዘለዎም ጸጋታት’ቲ ዞባ ዘረድእ ስእልታትን ቅሞሶታትን ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ድማ፣ ንንጥፈታት 20 ዓመታት ክፍሊ ትሕተ-ቅርጺ፣ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻን ጥዕናን ዝገልጽ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቡ።

******** ኣ.ዜ.ኤ *******

العمل المتواصل – تعزيز للروح المعنوية نحو...

Commemoration of Operation Fenkil concludes

Commemoration of Operation Fenkil Opens

Dutch action is unwarranted and unacceptable

Interview: President Isaias on domestic issues

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...