July 30, 2011

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መቦቆል ወዲሰብ ምዃኑ ዝተፈለለዩ መጽናዕትታ ዘረጋገጽዎ ሓቂ’ዩ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መቦቆል ወዲሰብ ምዃኑ ዝተፈለለዩ መጽናዕትታ ዘረጋገጽዎ ሓቂ’ዩ።

ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብተን ብርክት ዝበሉ ታሪኻውን ስነጥንታውን ቅርስታት ዝወነና ሃገራት ዓለም’ያ። ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 40 ሽሕ ስነ-ጥንታዊ ቦታታትን ልዕሊ 750 ዝተፈላለዩ ኣሰራት ጥንታዊ ስልጣኔን ይርከብ።

ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል 2011 ዝተፈላለየ ንመንነትናን ታሪኽናን ዘንጸባርቕ ምርኢት ኣቕሪቡ’ሎ።

ሄኖክ ፍረሚካኤል ተወሳኺ ኣለዎ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብ ቀዳሞት ሃይማኖት ብርድየት ዝተቐበላ ሃገራት ዓለም ምዃና ዘረድእ፣ መጸለይን መንበርን ስነ-ጥንታዊ ርኽበት ኲዕታ ኣዱሊስ 2011 ኣብ ፈስቲቫል ቀሪቡ።

ኣብ ፈስቲቫል 2011 ንምርኢት ቀሪቡ ዘሎ ርኽበት፣ ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ኣብ ኤርትራ ንዝነበረ እምነታት ዝሕብር፣ ነቲ ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ንክልቲኡ እምነታት ኣቐዲመን ዝተቐበላ ሃገራት ዓለም ምዃና ዝነግር ታሪኽ መሊሱ ዝድርዕን ንስልጣነ ኣዱላይት ዝገልጽን ብምዃኑ ብበጻሕቲ ኣድናቖት ይረክብ ኣሎ።

እቶም በጻሕቲ፣ ኣብ ኤክስፖ ቀሪቡ ዘሎ ርኽበታት ነቲ ንዘመናት ተዓቂቡ ዘሎ ታሪኽ ምክእኣልን ብሰላም ናይ ምንባርን ሓድነትን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ ዝኹልዕን ዘትርርን ምዃኑ ጠቒሶም፣ ልዕሊ 27 ሚልዮን ዓመት ዕድመ ዘለዎ ናይ ዝጸነተ ሓርማዝ ዝርከቦም፣ ብርክት ዝበሉ ታሪኻውን ስነ-ጥንታውን ቅርስታት ክድህሰስ ዝተኻእለ ብቐንዱ፣ ናጽነት ስለ ዝተረኽበ ምዃኑ ብምምልካት፣ ህዝቢ ክፈልጦም፣ ክዕቅቦምን ናብ ወለዶታት ከተሓላልፎምን ኣተሓሳሲቦም።

ካብ በጻሕቲ ፕሮፌሰር መሓሪ ገብረመድህን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እዚ ሎሚ ብሃገራዊ ቤተ-መዘክር ኤርትራ ቀሪቡ ዘሎ ርኽበት ኣዱሊስ ንዝነበረን ዘሎን ታሪኽናን መንነትናን ዝገልጽ ብምዃኑ ፍሉይነት ከምዘለዎ ብምሕባር፣ ህዝቢ ንዘለና ታሪኻዊ ቅርሲ ክኣልዮን ክዕቅቦን ኣዘኻኺሩ።

ገለ ካብቲ ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶታት፣ ምስሊ ቅብኣ ናይ ገዳይም ሓርበኛታት፣ ሓደ ሚልዮን ዝገበረ ሽክና ወዲሰብ ቡያ፣ ሓደ ሚልዮን ዓመት ዝገበረ ቀርኒ ሓርሻ፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብ ቀዳሞት ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ዝተቀበላ ሃገራት ምዃና ዘርኢ ስእሊ፣ ጥንታዊ ብራናን ቁርኣንን፣ ንስለ ናጽነት ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ ዝውክል ሽዳ ተጋዳላይ ሳሊና፣ ህዝቢ ኤርትራ ብደሙ ንዝረከባ ናጽነት መደምደምታ ዝገበረሉ ናይ ረፈረንደም ወረቃቕትን ባህላዊን ጥንታውን መሳርሒታት ኲናትን ይርከቦ።

ኣቶ ኣሰፋው ወልዱ ብግደኡ፣ ኤርትራ ናይ ሚልዮናት ዓመታት ስነ-ጥንታዊ ቅርሲ ከምእትውንን ካብዚ ምርኢት ክርዳእ ከምዝኸኣለ ጠቒሱ፣ መንእሰያት ንከምዚ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ከይተጸበዩ፣ ብኣካል ናብ ቤተ-መዘክር ብምዃድ ስነ-ጥንታውን ታሪኽውን መንነቶም ከለልዩን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙን ተላብዩ።

***** ኣ.ዜ.ኤ.*****

العمل المتواصل – تعزيز للروح المعنوية نحو...

Commemoration of Operation Fenkil concludes

Commemoration of Operation Fenkil Opens

Dutch action is unwarranted and unacceptable

Interview: President Isaias on domestic issues

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...