October 9, 2011

ዞባዊ ዋዕላ ስነ-መሬት ተዛዚሙ።

ዞባዊ ዋዕላ ስነ-መሬት ተዛዚሙ።

ብሰሉስ 4 ጥቅምቲ ዝጀመረ፣ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኩባንያታት ዕደናን ዳህሳስን፣ ዓለማዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ክኢላታ ስነ-መሬት፣ ኣውፈርትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዝርከብዎም ልዕሊ 300 ሰባት ዝሳተፍዎ ዞባዊ ዋዕላ ስነ-መሬት ‘ዓረብ-ኑብያን ሺልድ’ ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ዞባዊ ዋዕላ፣ ንኣጠቓቕማን ኣቀማምጣን ማዕድን፤ ዕደና ቢሻ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ዝጥቀመሉ ዘሎ ቴክኖሎጂን፤ ንጥፈታት ፕሮጀክት ዛራ፤ ዕደናዊ ዳህሳስ ድባርዋ፤ ርኽበታት ፖታሽ፤ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኸስተ እሳተ-ጎመራን ካልእን ዝምልከት መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ብክኢላታት ቀሪቡ፣ ሰፊሕ ክትዕ ድማ ተኻዪዱሉ።

ብተወሳኺ፣ ‘ዓረብ-ኑብያን ሺልድ’ ኣብ ዝመጽእ 25 ዓመታት ኣብ ዕደና ዝህልዎ መጻኢ፤ ኣብ’ቲ ከባቢ ዘሎ ጸጋታት ፖታሽ፤ ሃገራት ክረኽብኦ ዝግብአን ኣታውን ዝጥቀማሉ ዘለዋ ቴክኖሎጅን፤ ድሕነት ኣከባቢ ንምውሓስን ዓይኒ ማያት ካብ ብከላ ንምክልኻልን ዝብሉ ዛዕባታት ብዕምቈት ተዘትዩሎም።

ብዘይካ’ዚ ተሳተፍቲ፣ ብጕጅለታት ተመቓቒሎም ዕደናዊ ጥፈታት፣ ከምኡ’ውን መጽናዕትታትን ዳህሳስን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ሃገርና፣ ማለት ከባቢ እምባደርሆ፣ ዓዲ-ንፋስ፣ ቢሻን ድባርዋን በጺሖምን፣ ብክኢላታት ናይ’ተን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነጥፋ ዘለዋ ኩባንያታት ዕደና መግለጺ ተዋሂብዎምን።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኣካየድቲ ስራሕ ናይተን ኩባንያታት፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖሊሲ ዕደና ንጹርን ዘየማትእን ብምዃኑ ርእሰ-ማሎም ከውፍሩ ከምእተተባብዑን ከምዝኸኣሉን፤ ኤርትራ ከኣ ብሉጽ ጸጋታት ማዕድንን ርግኣትን ስለእትውንን፣ መስሕብ ኩባንያታት ዕደና ምዃና ጠቒሶም፣ ኣብ ቀረባ መጻኢ ኣብ ዕደናዊ ንጥፈታት ፍሉይ ቦታ ከምእትሕዝ ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ገሊጾም።

ተፈጥሮኣዊ ስነ-ምድራውን ቱሪዝማውን ጸጋታት ሃገርና ንምልላይ ድማ፣ ኣብ መስመር ኣስመራ – ባጽዕ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት፣ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ፣ ደሴት ዳሰን ካልኦት ቦታታትን ዑደት ኣካዪዶም።

***** ኣ.ዜ.ኤ.*****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...