March 3, 2014

ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምድምሳስ ‘ውቃው እዝ’ ንምጽንባል፡ ሰፊሕ ምድላዋት ይካየድ ኣሎ፣

ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምድምሳስ ‘ውቃው እዝ’ ንምጽንባል፡ ሰፊሕ ምድላዋት ይካየድ ኣሎ፣

ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምድምሳስ ‘ውቃው እዝ’ ንምጽንባል፡ ሰፊሕ ምድላዋት ይካየድ ኣሎ፣

ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምድምሳስ ‘ውቃው-እዝ’ ንምጽንባል፡ “ሳሕል ከም ሃገር፡ ህዝባዊ ግንባር ከም መንግስቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሰፊሕ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪ ወይዘሮ ጽገረዳ ወልደገርግሽ ንኤሪና ሓቢራ፣

ወይዘሮ ጽገረዳ ኣብ ሓበሬታኣ፡ እቲ መደባት ብልዑል ውህደት ህዝቢ፡ ሚኒስትሪታት፡ ሃገራውያን ኩባንያታት ህንጻ፡ ስነ-ጥበባውያንን ምምሕዳራት ንኡስ ዞባታትን ይካየድ ከምዘሎ ጠቒሳ፡ ዛጊት ስነ-ጥበባዊ ስርሓት፡ ሰነዳዊ ፊልም፡ ካርኒቫል፡ ምሕታም ነቲ ውዕሎ ዘዘንቱ መጽሓፍን ካልእን ዘጠቓለለ መሰናድኦታት ልዕሊ 80 ሚእታዊት ምድላዋቱ ኣብ ደረጃ ምጽፋፍ በጺሑ ከምዘሎ ኣብሪሃ፣

ዕላማ’ቲ መደብ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ስድሪ መሬት’ዛ ሃገር ንእተፈጸመ ቅያ፡ ዕለትን ፍጻመታትን ተጠቒምካ፡ ሓዚልዎ ንዘሎ ታሪኽ፡ ጅግንነትን መስዋእትን ብምብርባር፡ ናብ ተካእቲ ወለዶታት ንምስግጋርን ንምስናድን ምዃኑ ዝጠቐሰት ወይዘሮ ጽገረዳ፡ ምምሕዳር ዞባ ነዚ ናይ ዝኽሪ መደብ ንምድማቕ ባይታ ኣብ ምጥጣሕን ንምቕባል ነጋድያን ዝኸውን ናይ እንግዶት መደባት ኣብ ምውዳድን፡ ምስ ኩሎም መሓውራቱን ህዝብን ይጽዕት ከምዘሎ ኣረዲኣ፣

እቲ ጽንብል ካብ 21 ክሳብ 23 መጋቢት ኣብ ሓውሲ-ከተማ እማህሚመ ክካየድ ምዃኑ ዝሓበረት ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ነዚ መደብ’ዚ ንምዕዋት፡ ምጽጋንን ምሕዳስን መስመራት መጓዓዝያ፡ ምውሓስ ቀረብ ኣገልግሎት ኤለክትሪሲቲን ማይን፡ ከምኡ’ውን ትሕተ-ቅርጻዊ ስርሓት ዘጠቓልል ዓበይቲ መደባት’ውን ኣብ ትግባረ ከምዝርከብ ብምጥቃስ፡ ነበርቲ – ኣብ ምውቃብን ምውሓስ ጽሬትን ከባቢኡ ተጸሚዱ ምህላዉ ገሊጻ፣

ወይዘሮ ጽገረዳ ወልደገርጊስ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መንጐ ነዚ ረዚን ዕለተ-ዝኽሪ ንምድማቕ ዝሳተፍ ዘሎ ኩሉ ኣካል ንዘሎ ናይ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን መንፈስን ልዑል ወኒን ደፋኢ ሓይሊ ምዃኑ ብምሕባር፡ ከም’ዚ ዓይነት ሃገራዊ ምትእኽኻባት ንዝሓለፈ ንምዝኽኻርን ታሪኽ ንምስግጋርን ኣገዳስነቱ ልዑል ብምዃኑ፡ ወለዲ ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ብዝለዓለ ክጥቀሙሉ ተላብያ፣

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias