March 10, 2013

ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምድምሳስ ናደው-እዝ ንምድማቕ ዝካየድ ምድላዋት ተጻፊፉ።

ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምድምሳስ ናደው-እዝ
ንምድማቕ ዝካየድ ምድላዋት ተጻፊፉ።

ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምድምሳስ ናደው-እዝ  ንምድማቕ ዝካየድ ምድላዋት ተጻፊፉ።

From the 18 thousand strong Ethiopian army that was part of “Nadew Command”, no one escaped the attack

“ሓመድ ድበ ናደው፣ ቅያ መቐይሮ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንዝካየድ ጽንብል ዝኽሪ ብሩራዊ እዮቤልዮ ምድምሳስ ናደው-እዝን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን ንምድማቕ ክካየድ ዝጸንሐ ምድላዋት ኣብ ደረጃ ምጻፋፍ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ዓብዱ ተልከ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ንዝኽሪ ናይቲ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ምዕራፍ ዝሕዝ ቅያ ንምምዕራግ፣ ብደረጃ ሃገር፣ ዞባን ንኡስ ዞባን ዝተፈላለየ መሰናድኦታት ተዳልዩ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ኮሚቴታት ብምቛም ኣጋይሹ ንምእንጋድ ተዳልዩ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ምጽጋንን ምሕዳስን መስመራት መጓዓዝያ፣ ስፖርታዊ ውድድራት፣ ምርኢት ተማሃሮ፣ ምድላው ካርነቫልን ምስራሕ ስቴጅን ገለ ካብ ትሕዝቶ’ቲ ጽንብል ምዃኑ ብምሕባር ድማ፣ ተቐማጦ’ቲ ንኡስ ዞባ ንዘርእይዎ ዘለዉ ትግሃትን ተገዳስነትን መጒሱ።

ሓላፊ ቍጠባዊ ልምዓት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሳልሕ በላይ ብወገኑ፣ ትሕዝቶ’ቲ መደባት፣ ኪኖ ምምዕራግ ጽንብል – ነቲ ዝተፈጸመ ቅያን ጅግንነትን ናብ ወሎዶታት ብዘሰጋግር መልክዕ ተዳልዩ ከምዘሎ ብምሕባር፣ መንእሰያትን ተመሃሮን ታሪኽ ሕብረተ-ሰቦምን ሃገሮምን ብግቡእ ብምውራስ ኣብ ምዕቃቡ ዝያዳ ክጽዕሩ ከምዝሕግዝ ኣረዲኡ።

ስነ-ጥበባዊ ዩሱፍ ሓምድ ብግደኡ፣ ያታዊ ኣባይቲ፣ ትልሂት፣ ኣልባሳት፣ ወግዕታትን ልምድታትን ሕብረተ-ሰብ ብመልክዕ ካርኒቫል – ብስነ-ጥበባዊ መገዲ ተዳልዩ ከምዘሎ ብምሕባር፣ እዚ ነቲ እናሃሰሰ ዝኸይድ ዘሎ ልምድን ኣነባብራን ዘጣመረ ብምዃኑ፣ ንምስራጹን ንምስግጋሩን ዓቢ እጃም ከበርክት ትጽቢት ከምዝግበረሉ ሓቢሩ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...