February 12, 2013

ዙር ኤርትራ 2013

ዙር ኤርትራ 2013

ዙር ኤርትራ 2013

by Dirar Fessahaye, Eritrean Sport Commission | ዓመታዊ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዙር ኤርትራ ካብ 16-24 ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ብ ዩ.ሲ.ኣይ ነጥቢ ዝተሓዞ ውድድራት ተከፋፊሉ ክካየድ ምድላዋቱ የጻፍፍ ኣሎ።

ኣብዚ ካብ ኤርትራን ኣልጀርያ ከክልተ ጋንታታት፣ ካብ ምስሪ ርዋንዳን ሱዳንን ድማ ሓሓንቲ ጋንታታት ክሳተፋኦ ትጽቢት ዝግበረሉ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ድሕር’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ኣብ ጋቦን ዘመዝገበቶ ብሉጽ ውጽኢት ነዚ ኣብ ካብ 16-24 ለካቲት 2013 ኣብ 7 መድረኻት ተኸፋፊሉ ዝካየድ ውድድር ብብቕዓት ንምክያዱ ካብ መጀነርያ መዓልታት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጀሚራ 14 ተቐዳደምቲ ብምሕቋፍ ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እናተኣለየት ልምምዳታ ኣብ ምክያድ ትርከብ ኣላ።

ብፖርቱጋላዊት ኮሚሽነር ዩ.ሲ.ኣይ ኢዛቤላ ማርያ ዝምራሕ ውድድር ዙር ኤርትራ 2013 ነዞም ዝስዕቡ መድረኻት ሰሪዑ ኪካየድ’ዩ መደብ ወጺኡሉ ዘሎ፣-

1ይ መድረኽ – ሕርጊጎ – ጊንዳዕ
2ይ መድረኽ – ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ናይ ቹርኪቶ ቅድድም
3ይ- መድረኽ – መንደፈራ – ከረን
4ይ- መድረኽ – ከረን – ባረንቱ
5ይ- መድረኽ – ተሰነይ – ኣቑርደት
6ይ- መድረኽ – ከረን – ኣስመራ
7ይ- ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ናይ ቹርኪቶ ቅድድም ከጠቓልል’ዩ።

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...