February 22, 2013

ዙር ኤርትራ 2013,

ዙር ኤርትራ 2013,

ዙር ኤርትራ 2013,

ዓመታዊ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዙር ኤርትራ ካብ 16-24 ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ብ ዩ.ሲ.ኣይ ነጥቢ ዝተሓዞ ውድድራት ተኸፋፊሉ ክካየድ ምድላዋቱ የጻፍፍ ኣሎ።

ኣብዚ ካብ ኤርትራን ኣልጀርያ ከክልተ ጋንታታት፣ ካብ ምስሪ ሩዋንዳን ሱዳንን ድማ ሓሓንቲ ጋንታታት ክሳተፋኦ ትጽቢት ዝግበረሉ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ድሕር’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ኣብ ጋቦን ዘመዝገበቶ ብሉጽ ውጽኢት ነዚ ኣብ ካብ 16-24 ለካቲት 2013 ኣብ 7 መድረኻት ተኸፋፊሉ ዝካየድ ውድድር ብብቕዓት ንምክያዱ ካብ መጀመርያ መዓልታት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጀሚራ 14 ተቐዳደምቲ ብምሕቋፍ ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እናተኣለየት ልምምዳታ ኣብ ምክያድ ትርከብ ኣላ።

ዙር ኤርትራ 2013,ብፖርቱጋላዊት ኮሚሽነር ዩ.ሲ.ኣይ ኢዛቤላ ማርያ ዝምራሕ ውድድር ዙር ኤርትራ 2013 ነዞም ዝስዕቡ መድረኻት ሰሪዑ ኪካየድ’ዩ መደብ ወጺኡሉ ዘሎ፣-

1ይ መድረኽ – ሕርጊጎ – ጊንዳዕ
2ይ መድረኽ – ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ናይ ቹርኪቶ ቅድድም
3ይ- መድረኽ – መንደፈራ – ከረን
4ይ- መድረኽ – ከረን – ባረንቱ
5ይ- መድረኽ – ተሰነይ – ኣቑርደት
6ይ- መድረኽ – ከረን – ኣስመራ
7ይ- ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ናይ ቹርኪቶ ቅድድም ከጠቓልል’ዩ።

by Dirar Fessahaye, Eritrean Sport Commission

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...