February 26, 2013

ዙር ኤርትራ 2013 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ

ዙር ኤርትራ 2013 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ

ዙር ኤርትራ 2013 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ

# ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ ጎብለል ዙር ኤርትራ 2013 ኮይኑ

ካብ 19-22 ለካቲት ንሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፣ ኣልጄርያ፣ ሩዋንዳ፣ ምስሪን ሱዳንን ሓቑፉ ብኮሚሽነር ኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ u.c.i ፖርቱጋላዊት ኢዛቤላ ማርያ ፍራንኮ ፈርናንደዝ እናተመርሐ ኣብ 4 መድረኻት ተኸፋፊሉ ክካየድ ዝቐነየ 5ይ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ኤርትራ 2013 ሎሚ ዓርቢ 22 ለካቲት 2013 ካብ ከረን ናብ ኣስመራ ብዝተኻየደ ቅድድም ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ኣብ ኣፍደገ ሚኒስትሪ ዜና ዝተዛዘመ 4ይ መድረኽ ናይ 91 ኪ/ሜ ቅድድም ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መርሃዊ ቅዱስ፣ ሜሮን ኣማኑኤል፣ ሜሮን ተሾመ፣ ተስፎም ዑቕባማርያምን ዓወት ገብረመድህንን ተኸታቲሎም ክዕወቱ እንከለዉ ኣልጄርያዊ ተቐዳዳማይ ዓዘዲን ላጋብ ሻድሻይ ደረጃ ሒዙ ውድድር ፈጺሙ። ብሓፈሻዊ ውጻኢት በብደረጃኡ ዝተዓወቱ ተቐዳደምቲ ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፣-

ዙር ኤርትራ 2013 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ

ተዓወትቲ ብጫ ማልያ( General classification- yellow Jersey)
1- መኽሰብ ደበሳይ ብ 14፣18.47 ሰዓት
2- መርሃዊ ቅዱስ ብ 14፣20.12 ሰዓት
3- ሜሮን ኣማኑኤል ብ 14፣20.26 ሰዓት

ተዓወትቲ ቀጠልያ ማልያ ( Point classification- green Jersey)
1- ሜሮን ኣማኑኤል ብ 53 ነጥቢ
2- ሜሮን ተሾመ ብ 52 ነጥቢ
3- መርሃዊ ቅዱስ ብ 49 ነጥቢ

ተዓወትቲ ውድድር ናይ ዓቐበት ( Mountain classification-)
1- በረኸት የማነ ብ 12 ነጥቢ
2- መርሃዊ ቅዱስ ብ 9 ነጥቢ
3- ተስፎም ዑቕባማርያም ብ 7 ነጥቢ

ተዓወትቲ ብሉጽ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ( Best young Rider)
1- መኽሰብ ደበሳይ
2- መርሃዊ ቅዱስ
3- ሜሮን ተሾመ

ዙር ኤርትራ 2013 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ

ብደረጃ ሃገራውያን ጋንታታት ድማ ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፋ ክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ክሕዛ እንከለዋ፣ ክለብ Gsp Algerie፣ ርዋንዳ፣ velo club sovak-Algeriaን ግብጺን ክሳብ ሻድሻይ ደረጃ ተሰሪዐን ውድድረን ዛዚመን።

ብድራር ፍሰሃየ
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Funeral service of veteran fighters Brig. Gen....

National Council of Eritrean Americans (NCEA)...

Eritrean Sensation Aron Kifle and Awet Habte...

Eritrean Community festival in Eastern Canada

Diaspora News – Global compact for safe,...

Campaign to make Westerners aware of Ethiopia’s...