April 7, 2014

ዕውታት ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ ናብ ሃገረን ተመሊሰን

ዕውታት ሃገራውያን ጋንታታት
ኤርትራ ናብ ሃገረን ተመሊሰን

ዕውታት ሃገራውያን ጋንታታት  ኤርትራ ናብ ሃገረን ተመሊሰን

ብድራር ፍሰሃየ- ኣብ ኣልጄርያ ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታን ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ፍርቂ ማራቶን ተሳቲፈን ዘኹርዕ ዓወታት ዘመዝገባ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ ብ 1 ን 2 ን ሚያዝያ 2014 ናብ ሃገረን ተመሊሰን።

እተን ሃገራውያን ጋንታታት ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብሓለፍቲ ሃገራውያን ፈደረሽናት ቅድድም ብሽክለታትን ኣትሌቲክስን ኣኽሊል ዕንባባብ ብምብርካት ምዉቕ ኣቀባብላ ተኻይዱለን። ኮሚሽነር ስፖርት ኤርትራ ሜ/ጀ. ሮመዳን ዑስማን ኣወልያይ ናኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ቤ/ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ ሰዓት ድማ ንዘመዝገብዎ ዓወት ብስም ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ዮሃንኡ ድሕሪ ምግላጽ ንቀጻሊ ንጥፈታቶም ዓወት ብምምናይ ብኮሚሽን ስፖርት ኩሉ መዳያዊ ምትብባዕ ከምዘይፍለዮም ኣረጋጊጹሎም።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብ 8-29 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ ኣልጄርያ ጎብለል ብምዃን ሓያለ ዋንጫታትን ናይ ክብሪ ማልያታትን ምዕታራ ይዝከር። ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ብወገባ ብ 29 መጋቢት 2014 ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ብመንገዲ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ሳሙኤል ጸጋይ ብሩር ሜዳልያ ክትዓትር እንከላ ኣብቲ ውድድር ዘሳተፈቶም ኣትሌታት ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ንጉሰ ኣምለሶም፣ ግርማይ ገብረስላሰን ሳምሶን ገብረዮውሃንስን ድማ ውድድሮም ምስ ብሉጻት ሸሞንተ ኣትሌታት ክዛዝሙ ብምኽኣሎም ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ኣብቲ ውድድር ንዝተሳተፋ ሓያላት ሃገራት ብምብላጽ ተሸላሚት 5 ወርቂ ሜዳልያ ክትከውን ክኢላ’ያ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias