April 10, 2013

ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ሰሚናር ኣብ ከተማ ዙርክ-ስዊዘርላንድ ብብጻይ የማነ ገብረኣብ

ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ሰሚናር ኣብ ከተማ
ዙርክ-ስዊዘርላንድ ብብጻይ የማነ ገብረኣብ

ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ሰሚናር ኣብ ከተማ ዙርክ-ስዊዘርላንድ ብብጻይ የማነ ገብረኣብብዕለት 07/04/2013 ካብ ኩለን ካንቶናት ስዊዘርላንድ ዝተሳተፈኦ ሰሚናር ማሕበራውያን ሓይልታት:- ህግደፍ፣ ሃማደኤ፣ ማሕበረ-ኮማት፣ ሽማግለታት መኸተ፣ መንእሰያት ህግደፍን ዋርሳይ መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ስዊዝርላንድ « ኩሉ ድሕሪ ሃገር » ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ተኻይዱ።

ኣብ መኽፈቲ ሰሚናር ብስም ዋርሳይ መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ፣ መንእሰይ ተኽላይ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ዋርሳይ መንእሰይ ከምቲ ትማሊ ኣብ ምርግጋጽ ልኡላውነት ሃገር፣ ሃገራዊ ግቡኡ ዝፈጸመ መንእሰይ ዋርሳይ ሎሚውን ከም ትማሊ ኣብ ጎኒ ህዝቡን መንግስቱን ኮይኑ ንኹሉ ተጻብኦታትን ሽርሕታትን ኣብ ምፍሻል መሪሕ ቦትኡ ሒዙ ድሉውነቱ የረጋግጽ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣስዕቡ ብጻይ ሽለሺ እድሪስ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት፣ ህዝብና ኣብ ስዊዘርላንድ ከም ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ : ኩሉ ድሕሪ ሃገር ኣብ ዝብል እምነት ተመርኩሱ፣ ንኹሉ ተጻብኦታት ንምፍሻል ዘከየዶን ዘካይዶ ዘሎን ልዑል ሃገራዊ ወኒን ቃልስን ድሕሪ ምዝርዛር፣ ሕጅውን ነቲ ኣንጻር ህዝብና ብጸላእትና ተኸስቱ ዘሎ ስነ ኣእምሮኣዊ ኩናት ኣብ ምምካት፣ ካብ ዝሓለፈ ግዜ ብዝተዓጻጸፈ ውዳቤናን ጥርናፌናን ኣደልድሊና ክንቃስ ናይ ዘለናዮ እዋናዊ መድረኽ ጠለብ ምኻኑ ኣብሪሁ። ቀጺሉ ብጻይ ሽለሺ እድሪስ ልኡላውነት ሃገርናን ሓድነት ህዝብናን ሕድገታት ዘይግበረሎም ሃገራዊ ክብርታትና እዮም ብምባል ኣስሚሩሉ።

ቀጺሉ ህዝብና ብኣዝዩ ሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝነበረ ህዝባዊ መኸተ ሰሚናር ብጻይ የማነ ገብረኣብ ስዒቡ። እቲ ብህዝቢ ኣዕለቒሊቑ ዝነበረ ኣዳራሽ : ንብጻይ የማነ ገብረኣብ ብጣቕዒንት እልልታን ተቐቢሉዎ።

ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ሰሚናር ኣብ ከተማ ዙርክ-ስዊዘርላንድ ብብጻይ የማነ ገብረኣብብጻይ የማነ ገብረኣብ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህ.
.ደ.ፍ ነቲ ኣብ ኣዳራሽ ዝነበረ ህዝቢ እንቓዕ ብሰላም ኣራኸበና ብምባል፣ ህዝብና ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ኣብ ምህናጽ ሃገር ከምእውን ኣብ ምውሓስ ልኡላውነት ሃገር ዘበርከቶን ዘበርክቶ ዘሎን ሃገራዊ ጉቡኣት ኣዝዩ ዘሕብንን ኣብነታውን ምኻኑ ገሊጹ።

ብጻይ የማነ ድሕሪ ባይታ ናይቲ ኣብ 40ታትን 50ታትን ዝነበረ ውዲታትን ተጻብኦታትን ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ መልክዑን ኣገባባቱን እናቐየረ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ከምዘሎ ኣስፊሑ ገሊጹ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መደረኽ ናብ መድረኽ ሓድነቱን ስምረቱን እናኣደልደለን ካብ 40ታት ኣትሒዙ መውዳደርቲ ዘይብሉ ሓደ ስሙር ጥርኑፍ ተኻባቢሩ ዝነብር ህዝቢ ምኻኑን ልኡላውነት ሃገሩን ሓድነቱን ኣስጢሙ ዝቃለስ ኣብነታዊ ህዝቢ ምኻኑን ብምግላጽ ናይ ኩሉ መደረኻት ተጻብኦታትን ውዲታትን ኣስፊሑ ብምግላጽ፣ ሰፊሕን ኣዕጋብን ኣስተምህሩ ሂቡ።
ብጻይ የማነ መደረኡ ብምቕጻል : እዚ ዘለናዮ መድረኽ ምህናጽ ሃገር ብኹሉ ሸነኻቱ ሰፊሕ ውዳበ ህዝብና ከም ቀዳምነት ሰሪዕና ንስራሓሉ ዘሎና ከምኡውን ኤርትራዊ ዜጋ ወናኒ ጸጋታቱ ኮይኑ ኣብ ዘለናዮ

ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ሰሚናር ኣብ ከተማ ዙርክ-ስዊዘርላንድ ብብጻይ የማነ ገብረኣብቁጠባዊ ዓይነታዊ ዝላ፣ ኩሉ ዜጋ ዕድል ዝረኽበሉ ሃዋሁ ምፍጣር ከም ቀዳምነት ተዋሂቡ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣስፊሑ ገሊጹ። ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ንርከብ ዜጋታት ኣብ ምውጋን ዝርከባ ትካላት ሃገርን ኣብ ምግዛእ ብርክታትን ዝያዳ ተዋስእቲ ክንከውን ከምዘለና ኣታሓሳሲቡ። ቀጺሉ ኣብ ንነብረሉ ዘሎና ሃገር ስዊዘርላንድ ዘሎ ጸጋታት ተጠቂምና፣ ሞያውን ቁጠባውን ዓቕምና ኣደልዲልና ኣብነታውያን ዜጋታት ክንከውን ከምዘለና ኣረዲኡ።

ኣብ ምዕቃብ ምስግጋር ሃገራዊ መንነትና ናብ ደቅና ካብቶም ቀዳምነት ክንሰርዖም ዝግባኣና መደባትና ክኾኑ ብሰፊሑ ገሊጹ።
ኣብ መደምደምታ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ህዝብና ከም ኩሉ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና፣ ንኹሉ ትሕቲ ሃገራውነት ኣወጊዱ ብዝላዓለ ጥርናፈን ውዳበን ንተጻብኦታት ጸላእትና ኣብ ምፍሻል ዝጻወቶ ዘሎ ልዑል ሃገራዊ ታራ ዝነኣድ ምኻኑ ደጊሙ ኣመስጊኑ።
ሽማግለ መኸተ ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ስዊዘርላንድ
ዓወት ንሓፋሽ !

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...