December 26, 2013

ዕቱብን ልክዕን ገምጋም ምግባር፡ ጽፉፍን ግብራውን ውጥናት ክትቅይስ ስለዝሕግዝ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ተገሊጹ፣

ዕቱብን ልክዕን ገምጋም ምግባር፡ ጽፉፍን ግብራውን ውጥናት ክትቅይስ ስለዝሕግዝ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ተገሊጹ፣

ዕቱብን ልክዕን ገምጋም ምግባር፡ ጽፉፍን ግብራውን ውጥናት ክትቅይስ ስለዝሕግዝ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ተገሊጹ፣ኣብዚ ናብ ሓድሽ ዓመት እንሰጋገረሉ ዘለና ናይ ገምጋምን ውጥንን ዕለታት፡ ጽላት ብጽላት ዝተተግበረ ዕዮታትን ዘረጋገጾ ዕብየትን ብዝምልከት ዕቱብን ልክዕን ገምጋም ምግባር፡ ንመጻኢ ጉዕዞ ሓይልን ድርኺትን ዝፈጥር ተመኲሮ ብምቕሳም፡ ጽፉፍን ግብራውን ውጥናት ክትቅይስ ዘኽእል ብምዃኑ፡ ኣገዳስነቱ እምብዛ ዕዙዝ ከምዝኾነ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ፣

እቲ “ጽፉፍ ውጥን – ንለውጢን ቀጻሊ ዕብየትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሓተታ፡ “ህዝቢ ኤርትራ፡ ሳላ’ቲ ዘዂርዕ ናይ ዓያይነትን ርእሰ-ምርኰሳን ባህሉ፡ ዓመት መጸ ኣብ ዝበረኸ ኣርከን እናሓዀረ፡ ናብ ኣጸደ ራህዋን ቀጻሊ ዕብየትን እናቐረበ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዛጊት ተፈጺሙ ዘሎ ልምዓታዊ ቅያታት፡ ንዝያዳ ስራሕ ወኒ ዜስንቕ ተወሳኺ ረቛሒ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፣

ምስጢር ምዕባለ፡ ንስራሕ ዝተዓደለ ኣእምሮን ኣእዳውን እምበር ካልእ ከምዘይኮነ ዘመልከተ’ቲ ሰሙናዊ ሓተታ፡ የግዳስ – ሕልናን ተበግሶን ውጽኢት ክህልዎ ዝጠልቦም ኣገደስቲ ረቛሒታት ከምዘለዉ፡ እቲ ጭቡጥ ለውጢን ምዕባለን ዘረጋግጽ ኣድማዒ ስራሕ፡ እቲ ኣብ ጽፉፍ ውጥንን ሜላታት ትግባረን ዝምርኰስ ከምዝኾነ ኣነጺሩ፣

“ጽፉፍ ውጥንን ሜላታት ትግባረን፡ መጽሓፍቲ ስነ-ምሕደራ ተወኪስካ ብቐሊሉ ከተረጋግጾ እትኽእል ውዱእ ፍልጠት ኣይኮነን” ዝበለ’ቲ ሓተታ፡ ብቐንዱ ካብ ብልጫታትን ድኻማትን ሕሉፍ ተመኲሮ ስለዝምንጩ፡ ሕሉፍ ዕዮ ኣብ ምግምጋም እምበኣር፡ ሓሳብ፡ ማልን ጥበብ ትግባረን ንዘጣመረ ጸጋታት ምዕባለ ብተለካዒ ኣገባብ ብደቂቕ ፈቲሽካ፡ ኣድማዕነቱን ሕጽረታቱን ብምግንዛብ፡ መመሓየሺ ሓሳባት ምፍልፋል ከምዘድሊ ኣገንዚቡ፣

እቲ ሰሙናዊ ሓተታ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ዝርከቡ ሓለፍቲን ሰራሕተኛታትን እምበኣር፡ ኣብዚ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት፡ ካብቲ ዝጸንሐ ዝበለጸ – ስሉጥን ውጽኢታውን ምሕደራ ንምርግጋጽ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝያዳ ንምስፋሕን ንምምዕባልን፡ ሰብኣዊ ጸጋታት ንምስልጣንን ብኣድማዕነት ንምውሳእን፡ ከምኡ’ውን ናይ ምግባር ተኽእሎታትን ዓቕሚን ንምሕያል፡ በዚ መገዲ’ዚ ድማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣፍራይነት ንምምጥጣር ዘኽእል ጽፉፍ ውጥንን ሜላታት ትግባረን ምሕንጻጽ ከምዝሓቶም ኣስሚሩሉ፣

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...

STATEMENT BY H.E. MR. OSMAN SALEH, MINISTER OF...