January 30, 2013

ዕብየትን ክብረትን ኣህጉር ኣፍሪቃ በቲ ዝድለ ደረጃ ንምርግጋጽ፣ ሱር በተኽ ለውጢ የ ድሊ ከምዘሎ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ዕብየትን ክብረትን ኣህጉር ኣፍሪቃ በቲ
ዝድለ ደረጃ ንምርግጋጽ፣ ሱር በተኽ ለውጢ የ
ድሊ ከምዘሎ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

 ዕብየትን ክብረትን ኣህጉር ኣፍሪቃ በቲ  ዝድለ ደረጃ ንምርግጋጽ፣ ሱር በተኽ ለውጢ የ ድሊ ከምዘሎ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።ኣድማዕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምሕያል፣ ዕብየትን ክብረትን ኣህጉር ኣፍሪቃ በቲ ዝድለ ደረጃ ንምርግጋጽ፣ ሱር በተኽ ለውጢ የድሊ ከምዘሎ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ሱር በተኽ ለውጢ ንዕብየትን ክብረትን ኣፍሪቃ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰሙናዊ ሓተታ፣ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኣዲስ- ኣበባ ንዝተጋብአ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ጠቒሱ፣ ኣብ ቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝሰፈሩ ዓበይቲን ቅዱሳትን ዕላማታት፣ ሓድነት ህዝብታት ኣፍሪቃ ምድልዳል፤ ብሓባራዊ ምትሕግጋዝ ቍጠባዊ ምዕባለ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምድራኽ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራትን ዝኽሰት ግርጭታት ብመንጎኝነትን ዳንነትን እናፈታሕካ ሰላምን ቅሳነትን ህዝብታት ኣፍሪቃ ምውሓስ ዝብሉን ካልኦትን ነጥብታት ይርከብዎም። እንተኾነ ግን፣ እቲ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ዕድመኡ፣ ዝቘመሉ ዕላማታትን መብጽዓታትን ኣብ ምፍጻም ብኣድማዕነት ክዋሳእ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ኩሉ ድሌታት ናይ ህዝብታት ኣፍሪቃ፣ መስረትቱን መራሕቱን፣ ምስ ኩሉ ደረት-ኣልቦ ጸጋታት ናይዚ ኣህጉር፣ ኣብ ምድራኽ ልምዓት ህዝብታት ኣፍሪቃ ኮነ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን ናይ’ዚ ኣህጉር ክጥቀስ ዝኽእል ኣበርክቶ ስለዘይገበረ፣ ስም ናይ’ዚ ወድብ ኣብ ዜጋታት ኣፍሪቃ ብሓበን ዝለዓል ከምዘይኮነ ኣብሪሁ።

እቲ ውድብ – ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ውድባዊ ብቕዓቱን ኣድማዕነቱን እናደኸመን እናለመሰን ክመጽእ ከምዝጸንሐ ዘመልከተ ሰሙናዊ ሓተታ፣ ካብ ድኽመትን ልምሰትን ሓሊፉ ናይ ግዳም ተጸባይነቱ ገፊሕ ባብ ንምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት ስለዘርሓወ፣ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ጸገማት፣ ኣህጉራዊ መልክዕ እናሓዙን ዝያዳ እናተሓላለኹን፣ ብኡ መጠን ድማ ፍታሕ እናርሓቐ ወርቃዊ ግዜን ዕድላትን ህዝብታት ዘኽስር ኩነት ክፍጠር ምጽንሑ – ብብዙሕ ኣብነታት ኣሰኒኻ ክግለጽ ከምዝከኣል ኣነጺሩ።

ስም ናይዚ ምትእኽኻብ ካብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምቕያር ንምምሕያሹ ዝተገብረ ጽገናታት’ኳ እንተነበረ ዘምጽኦ ለውጢ ግን ከምዘይነበረ ዝጠቐሰ’ቲ ሓተታ፣ ሕጂ’ውን ዝተኸስረ ግዜን ዕድላትን እናጸብጸብካ ምቝዛምን ተስፋ ምቝራጽን ዘይኮነ እቲ ዘድሊ፣ ካብዚ ድኹም ኩነተ-ህላወ ዝወጸሉ ብልሓት ምፍጣር ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

እቲ ሰሙናዊ ሓተታ ኣብ መወዳእታ፣ ኣፍሪቃውያን ኣብ ኣህጉራዊ መጋባኣያታት ብብቕዓት ዝውክሎም፣ ወሳኒ ድምጺ ዘለዎ፣ ግዳማውያን ሓይልታት ዘይመልክዎ፣ ናጻን ንጡፍን ውድብ ምፍጣር የድልዮም ከምዘሎ ብምሕባር፣ ብርእይቶ ኤርትራ – ህዝብታት ኣፍሪቃ ንዝጸንሐ ጌጋታት ብዘይንሕስያ ነቒፎም፣ መገዶም ብምቕናዕ ንሱር-በተኽ ለውጢን ተሃድሶን ተበግሶ ዝወስዱሉ ግዜ ኣብ ርሑቕ ዓውደ-ኣዋርሕ ክስራዕ ከምዘይባእ ኣዘኻኺሩ።

******* ኣ.ዜ.ኤ. *******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...