August 28, 2013

ዓውደ- መጽናዕቲ ጸረ-ወሃብቲ ሓይሊ መድሃኒታት ስፖርት ( Anti-Doping) ተኻይዱ

ዓውደ- መጽናዕቲ ጸረ-ወሃብቲ ሓይሊ መድሃኒታት
ስፖርት ( Anti-Doping) ተኻይዱ

ብድራር ፍሰሃየ
ሃገራዊ ኮሚቴ ጸረ-ወሃብቲ ሓይሊ መድሃኒታት ( Eritrean National Anti-Doping Organization- ENADO ) ኣብ ማሕበረሰብ ስፖርት ኤርትራ ዘሎ ኣፍልጦ ጎዳእነት ሓይሊ ዝህቡ መድሃኒታት ስፖርት ንሞባይ ዝሕግዝ ዓውደ-መጽናዕቲ ካብ 20-23 ነሓሰ 2-13 ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ኮሚቴ ኣኦሊምፒክ ኣኤርትራ ኣካይዱ።

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ሓለፍቲ ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኤርትራ፣ ካብ መላእ ሃገር ዝተዋጽኡ ካኢላታት መራኸቢ ብዙሓንን መማህራንን ኣለይቲን ስፖርት ዝተሳተፉሉ ዓውደመጽናዕቲ ኮሚስነር ስፖርት ሜ/ጀ. ሮመዳን ዑስማን ኣወልያይ ኣብ ዘስምዖ ቃል ኮሚሽን ስፖርት ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ተጠቃምነት ሓይሊ ዝህቡ መድሃኒታት ኣብ ስፖርት ዘለዎ ሃሳይ ጽልዋ ብምግንዛብ ሃገራዊ ኮሚቴ ኣቚሙ ዝተፈላለየ ጎስጓሳዊ ንጥፈታት ከካይድ ምጽንሑ ብምጥቃስ ተሳተፍትት’ቲ ዘተ ነቲ ዝወሃብ ብግቡእ ብምክትታል ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ንክዓዝዝ ብዝለዓለ ክዋስኡ ተላብዩ።

ኣብቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተኻየደ ዓውደ-መጽናዕቲ ብክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ንድሕረባይታ፣ ኣገባብ መርመራን ምህባር ውጽኢትን ከማኡ’ውን ህሉው ዓለማዊ ኩነታ ተጠቃምነት ዶፒንግ ዝምልከቱ ኣርእስትታት ንተሳተፍቲ ክወሃቡ እንከለዉ ተሳተፍቲ ካብቲ ዝተዋህበ ስልጠና ጠቓሚ ዝኾነ ኣፍልጦ ምርካቦምን ኣኣብ ዝተመደቡሉ ናይ ስራሕ ቦታ ንዝጸንሐ ድሩት ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ስፖርት ንምዕባይ ከምዝሰርሑ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም። ኤርትራ ኣባል ዞባዊ ውድብ ጸረ ወሃብቲ ሓይሊ መድሃኒታት ( RADO)ን ዓለማዊን ውድብ ጸረ-ወሃብቲ ሓይሊ መድሃኒታት ስፖርትን (World anti-doping Agency- Wada)ን ምዃና ዝፍለጥ’ዩ።

ትምህርታዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ህጻናት መደብ ፉትቦል-ኔት
ኦሊምፕ ኣፍሪቃ ኣስመራ 2013 ተዛዚሙ

ብድራር ፍሰሃየ

ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ኦሊምፒክ ኮሚቴ ኤርትራ ዓመታዊ ናይ ህጻናት ክሊ ዕድመ 12-13 ከምኡ’ውን 14-15 ዝተፈላለየ ስፖርታዊን ትምህርታዊን መደባት ብምስራዕ ዝነጥፍ ማእከል ኦሊምፕ-ኣፍሪቃ ኣስመራ ንክልተ ሳምንታት ከካይዶ ዝቐነየ ናይ 2013 ንጥፈታቱ ብቀዳም 24 ነሓሰ 2013 ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ዛዚሙ።

ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ህጻናትን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ መዛዘሚ ዕለት ኣብቲ ንክልተ ሳምንታት ክወሃብ ዝቐነየ ትምህርታዊን ስፖርታዊን መደብ ( 2013 Olymp-Africa FutbolNet cup ) ክሳተፋ ዝጸንሓ ናይ ክሊ ዕድመ 12-13 ን 14-15ን ንዕዱማት ዘዘናግዐ ናይ መዛዘሚ ውድድራት ኣካይደን።

ንዕላማቲ’ ናይ ሎሚ ዓመት መደብ ኣመልኪቱ ዳይረክተር ኦሊምፕ-ኣፍሪቃ ኣስመራ ኣቶ ትኩእ ጉዕሽ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ እቲ መደብ ብደረጃ ዓለም ኣህጉራዊ ኦሊምፒክ ኮሚቴ ምስ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ባርሴሎና ብምውህሃድ ንዘቕረቦ ፕሮጀክት ኣብ ህጻናት እሩም ስነ-ምግባርን ብሉጽ ክብሪታትን ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ንምስራጽ ዝዓለመ ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃስ ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ህጻናትን ኣለይቶምን ዘርኣይዎ ተሳታፍነትን ካብቲ መደብ ጨቢጦሞ ዝወጹ ፍልጠትን ውጽኢታዊ ምንባሩን ንመጻኢ ድማ ኣቲ ትምህርታዊን ስፖርታዊ መደብ ጭቡጥ ፍረ ክርከቦ ምትሕብባር ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት ክዓዝዝ ከምዘድሊ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ክልቲኡ ክሊታት ዕድመ ጸብለልታ ዘርኣያ ጋንታታት፣ ብሉጻት ኣመዝገብቲ ሸቶን ተሳተፍቲ ጋንታታታን ዝተዳለወለን ናይ ዋንጫን ኩኳዓሳሱን ሽልማታት ካብ ኣኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ዕዱማት ኣጋይሽን ተቐቢለን። ኦሊምፕ-ኣፍሪቃ ማእከል ኣስመራ ንራብዓይ ዓመቱ’ዩ ንጥፈታቱ ዘሰላስል ዘሎ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

H. Exc. Mrs. Hanna Simon, Ambassador of the State...

President’s Speech on the Occasion of Martyrs...

Prayer services in memory of Martyrs

قراءة لخطاب الرئيس الارتري الى مجلس الامن...

Press Statement

Asmara Art Deco Exhibition staged in the city of...