March 3, 2014

ዓለማዊ መዓልቲ ቴኒስ ብደረጃ ሃገር ተዘኪሩ ውዒሉ

ዓለማዊ መዓልቲ ቴኒስ
ብደረጃ ሃገር ተዘኪሩ ውዒሉ

ብድራር ፍሰሃየ
ፈደረሽን ቴኒስ ባይታ ኤርትራ ነቲ ካብ ዝሃለፈ ኦኣመት ጀሚሩ 3 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ቴኒስ ብሰንበት 2 መጋቢት 2014 ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ዘኪሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተኸብረን ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፡ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኤርትራ፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ማሕበረሰብ-ስፖርት ቴኒስ ባይታን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ንኣገዳስነት እቲ ዕለት ኣመልኪቱ ፕረዚደንት’ቲ ፈደረሽን ኣቶ ተወልደ ተኸስተ ኣብ ዘስምዖ ቃል እቲ መደብ ብመሰረት ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቴኒስ ( T.T.F) ኣብ ኩለን ኣባል ሃገራት ተዘኪሩ ክውዕል ዝሓበሮ ይኽበር ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ነቲ ስፖርት ዝተፈላለየ ናይ ስልጠና መደባት ብምክያድ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ደረጃ ህጻናት ንምምዕባሉ ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት ብውህደት ንምስራሕ መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሃገርና ኤርትራ ድማ ኣብ ቀረባ መጻኢ ብክልተ ስፖርታውያን ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝካየድ ናይ መንእሰያት ውድድር ንምስታፍ ምድላዋት ኣብ ምጽፋፍ ከምእትርከብ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብቲ ዕለት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ካብ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቴኒስ ዝተላእከ ናውቲ ስፖርት ብምዕጣቕ ዝተፈላለየ ናይ ምርኢት ውድድራት ብምክያድ ነቲ ዕለት ኣድማቖሞ ኣርፊዶም።

Eritrean Sport Commission
Public Relations Dep’t

Enigmatic Eritrea: Engagement, Investment &...

High Level Achievements in the Annual Health...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of Congratulations...

26th Independence – Messages of...