January 25, 2013

ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ኣ’ሸሪፍ፣ ሎሚ ብልዑል ማዕርግ ተባዒሉ።

ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ኣ’ሸሪፍ፣
ሎሚ ብልዑል ማዕርግ ተባዒሉ።

ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ኣ’ሸሪፍ፣ ሎሚ ብልዑል ማዕርግ ተባዒሉ።ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ኣ’ሸሪፍ ሎሚ 24 ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተባዒሉ።

ኣብ ኣስመራ – መስጊድ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ – ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፣ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን፣ ኣምባሳደራትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መእመናንን ዝተሳተፍዎ ስነ-ስርዓት፣ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ “እንቋዕ ናብዚ ክቡር በዓል ብሰላም ኣብጽሓና” ድሕሪ ምባል፣ ብምኽንያት’ዚ ክቡር በዓል ንዘኽታማት ክንሕግዝን ንስድራ ስውኣት ክንኣልን ክንሕብሕብን ከምዝግባእ ምኽሮም ለጊሶም።

ሸኽ ኣልኣሚን ኣስዒቦም፣ ኣብ ምክልኻል ሃገር ንዘለው ኩሎም ኣምላኽ ክሕልዎምን ክዕቅቦምን፣ ኤርትራ ድማ ኣብ ጐደና ልምዓትን ብልጽግናን ክትምርሽ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።
ኣቦ-መንበር ጉባኤ ኣውቃፍ ከተማ ኣስመራ ኣቶ መሓመድ ስዒድ በሺር ብወገኑ፣ ንታሪኽ ናይቲ በዓልን ንጒዕዞ ነቢ መሓመድን ተልእኾኡን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
እቲ ስነ-ስርዓት፣ መሻይኽ፣ ተማሃሮን መምህራንን ኣስመራ ብዘቕረብዎ መንፈሳዊ መሰናድኦታት ማዕሪጉ ነይሩ።

**** ኣ.ዜ.ኤ. ****

President Isaias met and held talks with Russian...

Joint Press Statement following the visit by the...

Eritrea elected to the UN Human Rights Council

Italian Prime Minister conducts official visit to...

Sustainable Development Goal 16 –...

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH...