August 24, 2011

ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዘሎ ኣመለኻኽታ ኣብ ምስማር ዓቢ ግደ ከምእተጻወተ፣ ሰሙናዊ ሓተታ ገሊጹ።

ዑደት ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሪፓብሊክ ኡጋንዳ፣ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ካልእ ኣህጉራዊ ጉዳያትን ዘሎ ኣመለኻኽታ ኣብ ምስማር ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ዕዉት ዑደት ምንባሩ፣ ሰሙናዊ ዝወጽእ ሓተታ ገሊጹ።

እቲ “ዕዉት ዑደት” ብዝብል እርእስቲ ዝተዳለወ ሓተታ፣ ኣብ ሓደ ጎደቦ ዝነብሩ ህዝብታት ናይ ሓባር ረብሓታት ስለዘለዎም፣ ህንጸት ሰናይ ጕርብትናን ምትሕብባርን መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ምዃኑ ብምምልካት፣ “ረብሓታቶም ብዘላቕነት ውሑስ ዝኾነሉ ምቹእ ዞባዊ ሃዋህውን ርግኣትን ንምፍጣር፣ ግድን ሓባራዊ ኣመለኻኽታ ከማዕብሉ ኣለዎም” ክብል ኣረዲኡ።

ክቡር ፕረዚደንት ዩወሪ ካጉታ ሙሴቬኒ፣ “እቲ ዑደት ንኹሉ ፈታው ሰላምን ልምዓትን ሓያል መልእኽቲ ዘመሓላለፈ፤ ነቶም ባህልን ክብርታትን ህዝባዊ ግንባር ካብ ዘይምፍላጥ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተፈላለየ ጠቐነ ዘካይዱ ድማ፣ ሓቅን ክውንነትን ኤርትራ ንኽፈልጡ ዕድል ዝሃበ ዑደት’ዩ” ክብል ንዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ እቲ ሓተታ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ንግዲን ወፍርን፣ ትምህርትን ጥዕናን፣ ሲቪል ኣቭየሽንን መራኸቢታትን ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ንምስፋሕ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም፣ ሓድሕዳዊ ምምልላእ ዝሕይለሉ ባይታ ኣብ ምፍጣር ኮነ ልምዓታዊ ውህደት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምስፋሕ ቀሊል ዘይኮነ ድርኺት ክፈጥር ከምዝኽእል ኣብሪሁ።

እቲ ሰሙናዊ ሓተታ ኣብ መወዳእታ፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ’ቲ ንዘቤታዊ ድኻማት ዝመዝመዘ ገዚፍ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት፣ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ብፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላዋት፤ ከምኡ’ውን ብኲናትን ግጭታትን ዝተሓመሰ ዞባ ምዃኑ ብምሕባር፣ እዚ ገዚፍ ናይ ግዜን ዕድላትን ክሳራ’ዚ፣ ከም ሕሉፍ ተመኵሮ ንታሪኽ ተገዲፉ፣ ካብኡ ብዝተረኽበ ንቕሓት፣ ማእዝን ምስትኽኻል ዓቢ ትዅረት ክወሃቦ ዝግባእ መድረኻዊ ዕማም ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...

الإيقاد .. الوجه الآخر للنظام الإثيوبى .. هل...