February 14, 2013

ዑደት ክለብ ሂላል ካዱግሊ ሱዳን ኣብ ኤርትራ

ዑደት ክለብ ሂላል ካዱግሊ ሱዳን ኣብ ኤርትራ

   ዑደት ክለብ ሂላል ካዱግሊ ሱዳን ኣብ ኤርትራኣብ ላዕለዋይ ዲቪዝዮን ክለባት ኩዕሶ እግሪ ሱዳን እትወዳደር ክለብ ሂላል ካዱግሊ ኣብ ኣስመራ ተጠርኒፋ ንግጥማት ሊግ ሱዳን ዝሕግዛ ልምምድን ምሕዝነታዊ ግጥምን ከተካይድ ቀንያ።

እታ ናይጄርያውያንን ካሜሩናውያንን ተጻወትቲ እትሓቑፍ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ሱዳን ካዱግሊ ዝመደበራ ክለብ ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ፈደረሽናት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ሱዳንን ብዘሎ ክልተኣዊ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ነቲ ኣብ ግጥም ላዕለዋይ ዲቪዝዮን ክለባት ኩዕሶ እግሪ ሱዳን ዝጽበያ ውድድራት ብብቕዓት ንምድላው’ያ ኣብ መዕረፊ ሆስቴል ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ ተጠርኒፋ ልምምድ ከተካይድ ቀንያ።

እታ ጋንታ ኣብ ናይ ኣስመራ ጻንሒታ ምስተን ንውድድራት ሊግ ኤርትራ ዝመርሓ ዘለዋ ጋንታታት ኣብ ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ግትም ንጋንታ ቀይሕ-ባሕሪ 1 ብ 0 ክትስዕራ እንከላ፣ ብሓሙስ 14 ለካቲት 2013 ኮሚሽነር ስፖርት ኤርትራ ሜጀር-ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣወልያይን ሓለፍቲ ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተረኽብሉ ምስ ክለብ ኣዱሊስ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ድማ 1 ብ 1 ተፈላልያ። ኣብ መዛዘሚ ዑደታ ድማ ሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራን ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ ድራር ዕድመ ክግበረላ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓትሉ መዓልታት ንዝተገብረላ ምቕሉል ንግዶት ምስጋንኣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቕሪባ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

العمل المتواصل – تعزيز للروح المعنوية نحو...

Commemoration of Operation Fenkil concludes

Commemoration of Operation Fenkil Opens

Dutch action is unwarranted and unacceptable

Interview: President Isaias on domestic issues

وزير الإعلام الإرترى يمانى جبرميسكل لـ...