March 26, 2013

ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮና ትሕቲ ዕድመ ኣትሌታት ኣፍሪቃ 2013

ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮና ትሕቲ ዕድመ
ኣትሌታት ኣፍሪቃ 2013

ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮና ትሕቲ ዕድመ ኣትሌታት ኣፍሪቃ 2013

by Dirar Fessahaye | 10 ኣትሌታት (ሓሙሽተ ካብአን ደቀንስትዮ) ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ትሕቲ ዕድመ ኣትሌታት ካብ 28-31 መጋቢት 2013 ኣብ ዝካየድ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ውድድር ትራክን ፊልድን ትሕቲ ዕድመ ኣትሌታት ( 1st African youth Athletics Championship) ንምስታፍ ሰንበት 24 መጋቢት ናብ ናይጀርያ ኣምሪሓ። እዛ ብኣሰልጣኒ በርሀ ኣስገዶም እትእለ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዋሪ (ናይጀርያ) ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር፦

ኣብ 400ሜ፣ ንኣትሌታት ፈረጅ ሓምድን ፍዮሪ ኣሰፋውን
ኣብ 800ሜ፡ ንኣትሌታት ኣብርሃም ጸጋይን ሉችያ ሰጊድን
ኣብ 1500ሜ፡ ንኣትሌታት ተስፉ ተወልደን ኪዳኑ ተሾመን ከምኡ’ውን ኣብ 3000ሜ፣ ንኣትሌታት ምዕባለ ዓንደሚካኤል፡ ዓወት ንፍታሌም፡ ኤልሳ ኣላይን ስምረት ወደጋብርን ሒዛ’ያ ውድድራ ከተካይድ።

ኣሰልጣኒ በርሀ ንምድላዋት’ታ ሃገራዊት ጋንታ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ዝበዝሑ ናብቲ ውድድር ኣምሪሖም ዘለዉ ኣትሌታቱ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ይጽመዱ ምህላዎም ብምጥቃስ ካብቲ ውድድር ንመጻኢ ብሉጻት ኣትሌታት ክኾኑ ዝሕግዞም ውጽኢት ሒዞም ክምለሱ ልዑል ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ፡፡

ነታ ሃገራዊት ጋንታ ንምፍናው ሓለፍቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ድማ ፕረዚደንት’ቲ ፈደረሽን ኣቶ ልኡል ፍሰሃየ ንኣባላት’ታ ጋንታ ኣብ ዘስምዖ ቃል ኩሎም ኣትሌታት ከም ጀመርቲን ብሩህ መጻኢ ዘለዎም ስፖርተኛታትን መጠን ኣብቲ ዝጽበዮም ኣህጉራዊ ውድድር ዝነኣድ ተሳታፍነት ኣርእዮም ሃብታም ተመክሮን ትምህርቲን ብምቕሳም ንመጻኢ ተካእቲ ዓበይቲ ኣትሌታት ብምዃን ስሞምን ስም ሃገሮምን ንምጽዋዕ በርቲዖም ክሰርሑ ተላብዩ።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Ethiopian Airlines resumes flight to Asmara

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias