March 26, 2013

ውድድር ቅድድም ኣግማል ንዝኽሪ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምድምሳስ ናደው እዝ

ውድድር ቅድድም ኣግማል ንዝኽሪ ብሩራዊ
ኢዮቤልዩ ምድምሳስ ናደው እዝ

ውድድር ቅድድም ኣግማል ንዝኽሪ ብሩራዊ  ኢዮቤልዩ ምድምሳስ ናደው እዝ

ካብ 17-19 2013 ብድምቀት ንዝተዘከረ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምድምሳስ እዚ ናደውን ምሕራር ኣፍዓበትን ንምድማቕ ብፈደረሽን ቅድድም ኣግማል ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪ ዝተዳለው ውድድር ቅድድም ኣግማል ብ 18 መጋቢት 2013 ኣብ ከተማ ኣፍዓበት ተኻይዱ።
ኣብቲ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ተኸፋፊሉ ዝተኻየደን ንሓያለ ነጋድያን ዝኽሪ ጽንብል ምድምሳስ እዚ ናደው ዘዘናግዐን ቅድድም፣

ካብ ውድድር 6 ኪ/ሜ. 1ይ- መሓመድ ዓብደላ ሓምድ፣ 2ይ- ዓሊ ሰልማን ዑበይድ፣ 3ይ- ዑመር ስዒድ ሽነን፣
ካብ ውድድር 8 ኪ/ሜ. 1ይ- ሱወሊሕ ሳላሕ፣ 2ይ- ሳልሕ ኣሕመድ መሓመድ፣ 3ይ- ሳልሕ መሓመድ ሳልሕ፣
ካብ ውድድር 10 ኪ.ሜ 1ይ- መሓመድ ሓምድ ኪያሪ፣ 2ይ- መሓመድ-ዓሊ ዓብደሊ፣ 3ይ- ዒሳ ማሕሙድ ኢብራሂም ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም ።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ውድድር ዕዉታት ዝተዳለዎም ገንዘባዊ ሽልማት ካብ ኢድ ኣማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪ ወ/ሮ ጽገሬዳ ወልደገርጊስን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ምም/ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪን ንኡስ-ዞባ ኣፍዓበትን ተቐቢሎም።

ህዝባዊ ርክባት
ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ

Meeting of High Level Committee of Eritrea and...

Senior Eritrean delegation visit to Somalia

إرتريا أرض البحر الحلقة الثالثة ” لعلعة...

Senior Eritrean delegation left for Addis Ababa

Diplomatic activities by Eritreans in Diaspora

President Isaias met and held talks with Saudi...