February 21, 2013

ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ‘ዙር ኤርትራ’ ሎሚ ፈሊሙ።

ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ‘ዙር
ኤርትራ’ ሎሚ ፈሊሙ።

ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ‘ዙር ኤርትራ’ ሎሚ ፈሊሙ።ብኣህጉራዊ ማሕበር ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ተፈላጥነት ድሕሪ ምርካቡ ንሓምሻይ ተኸታታሊ ዓመቱ ዝካየድ ዘሎ ‘ዙር ኤርትራ’ 2013፣ ሎሚ 19 ለካቲት ፈሊሙ።

ኣብ’ዚ ኩለን’ተን ኣብ ውድድር ‘ፈንቅል ቻለንጅ’ ዝተሳተፋ ጋንታታት ዝተሳተፍኦን ካብ መንደፈራ ተበጊሱ ኣብ ከረን ዝተዛዘመን 152 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነን ቀዳማይ መድረኽ ‘ዙር ኤርትራ’፣ ቀዳማይ ሜሮን ተሾመ፣ ካልኣይ ሜሮን ኣማኑኤል፣ ሳልሳይ ድማ ኣልጀርያዊ ዕዘዲን ላጋት ኮይኖም ክዕወቱ እንከለዉ፣ በረኸት የማነ ድማ ኣብ ናይ ዓቐብ ቀዳማይ ወጺኡ።

ካልኣይ መድረኽ ‘ዙር ኤርትራ’ 2013 ካብ ከረን ናብ ባረንቱ፤ ሳልሳይ መድረኽ ካብ ተሰነይ ናብ ኣቑርደት፤ ራብዓይን መወዳእታን መድረኽ ድማ ካብ ከረን ናብ ኣስመራ ከምዝካየድ፣ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ዓመታዊ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ‘ዙር ኤርትራ’፣ ኣብ 2009 ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ከም ዝረከበ ይፍለጥ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

  • ንተወሳኺ ሓበሬታ፣ ጋዜጠኛ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ካብ ከተማ ከረን ኣብ መስመር ቴለፎን ኣሎ። ከመይ ውዒልካ ክብርኣብ?
  • ብዛዕባ’ዚ ሎሚ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ኤርትራን ዝርዝር ውጽኢቱን ሓበሬታ እንተትህበና?
  • ብቕዓት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስቲ ኣቐዲሙ ተኣሚቱ ዝነበረ ብምንጽጻር ትዕዝብትኻ ኣካፍለና ክብርኣብ? ፍሉይ ብቕዓት ዘርኣዩኸ ነይሮምዶ?
  • ኣብ ውድድር ‘ፈንቅል ቻለንጅ’ ዝተራእየ ምትህልላኽ ኣልጀርያውን ኣብዚ ውድድር ከመይ ቀጺሉ?
  • መስመር መንደፈራ – ኣስመራ – ከረን ዓቐበ – ቍ
  • ዝበዝሖ ምስ ምዃኑ ዘጋጠመ ተርእዮ ሓደጋታት ወይ ምስሓት መስመር ነይሩዶ?
  • እዚ ናይ ቀዳማይ መድረኽ ውጽኢት ኣብ ግምት ብእታው፣ ዝቕጽል መድረኻት ዙር ኤርትራ ከመይ ክኸውን’ዩ ትብል?
  • ጋዜጠኛ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ካብ ከተማ ከረን – ስለ’ቲ ዝሃብካና ሓበሬታ ነመስግን።

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...