February 19, 2012

ውሳኔ ህዝባዊ ኣኼባ ኡምዮን ከባቢኣን

ውሳኔ ህዝባዊ ኣኼባ ኡምዮን ከባቢኣንv

ንሕና ኤርትራውያን ተቐማጦ ኡምዮን ከባቢኣን ብዕለት 18.02.2012 ነቲ ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ቁጽሪ 2023/2011 ንምኹናን፡ ሽማግለ መኸተ ኡምዮን ከባቢኣን ብዝጸውዖ መሰረት ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይድና።

እገዳ ቁጽሪ 2023/2011 ልክዕ ከም እገዳ ቁጽሪ 1907/2009 ኣብ ሓሶትን ፍጹም ምህዞን ስርዓት ወያነን ምምሕዳር ኣሜርካን ተመርኩሱ፡ ብመገዲ እቲ ብጸላእቲ ኤርትራ ዝተመዘዘ ”ናይ ኤርትራን ሶማልያን ሞኒተሪንግ ግሩፕ ” ኣቢሉ ብዝተፈብረኸ ድራማ ምኳኑ ክንከታተሎ ዝጸናሕና ጉዳይ እዩ።

ነቶም ካብ ግዜ ናይ ”ጎይቶት ኩናት” ሶማልያ ጀሚሮም፡ ክሳብ ሕጂ ንሶማልያ ከም ሃገር ንኸይትቖውም ወተሃደራዊ ምትእትታውን ወራርን ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ዘካይዱ ዘለዉ ምምሕዳር ኣመሪካን ወያነን ኬንያን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ገዲፍካ፡ ነቲ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንጸት ተጸሚዱ ዘሎ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ እገዳ ምግባር ከኣ ናይ ፍትሒ ግርምቢጥ ጥራይ ምኻኑ ብምግንዛብ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ነሕልፍ።

• ባይቶ ጸጥታ ነቶም ናይ ብሓቂ ሃወኽቲ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምፍላጥ፡ ኣብ ክንዲ መሳርሒ ምምሕዳር
ኣሜርካን ስርዓት ኢትዮጵያን ኮይኑ ዘሎ ናይ ”ኤርትራን ሶማልያን ሞኒተሪንግ ግሩፕ” ካልእ ዘይሻራዊ ናይቲ
ዞባ ሞኒተሪንግ ግሩፕ ክመዝዝ ንጽውዕ።
• ባይቶ ጸጥታ ንኽልቲኡ ብይን እገዳታት 1907/2009ን 2023/2011 ኣብ ፍጹም ሓሶትን ፈጠራን ጸላእቲ
ኤርትራ ተሞርኩሱ ዝተበየነ እገዳ ስለዝኾነ ብህጹጽ ከልዕሎ ንጽውዕ።
• ሃገራት ኢጋድ መሳርሒ ኣዕናዊን ሓንካሪን ናይቲ ዞባ ኮይኑ ናይ ዘሎ ምምሕዳር ኣሜርካ ምኳን ገዲፈን፡
ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘቀራርብ ነጻ ፖለቲካ ክኽተላ ነተሓሳስብ።
• ስርዓት ወያነ ንውሳኔ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮምሽን ብይን ጥሒሱ ካብ ሉዕላዊ መሬት ኤርትራ
ምውጻእ ምእባዩ ንኹንን።
• ባይቶ ጸጥታ ሓላፍነቱ ብምስካም ሕጋዊ ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንስርዓት
ወያነ ካብ ልእላዊ መሬት ኤርትራ ክወጽእ ከገድዶ ንጽውዕ።
• መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ምክልኻሉን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ንሉዕላውነት ሃገር
ንምክልኻልን, ቁጠባዊ ሕውየትን, ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን፡ ኣብ ጎድኖም ደው ብምባል ካባና ዝሕተት
ዘበለ ሃገራዊ ጉብኣትና ከነማልእ ምኳና ቃል ንኣቱ።
• ኣብ መወዳእታ ንኣብ ደገ ዝዓብዩ ዘለዉ መንእሰያትና ታሪኽ ሃገሮምን ጅግንነት ወለዶምን ፈሊጦም
ብመንነቶም ዝኾርዑ ዜጋታት ንምግባሮም ዝከኣለና ክንገብርን፡ ንሻሙናይ (8ይ) ዋዕላ መንእሰያት ኣብ ሽወደን
ንምዕዋት ክንጽዕር ምኳና ቃል ንኣቱ።

መኸተና ጸላእትና ኣለሽ ክሳዕ ዝብሉ ቀጻሊ ኣዩ
ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና
ዓወት ንሓፋሽ
18.02.2012 ህዝባዊ መኸተ ኡምዮን ከባቢኣን

President Isaias Afwerki sends message of...

Witness of the most unique & fabulous...

Interview with President Isaias Afwerki: “No...

Eritrean Delegation Statement UNHRC 68th EXCOM...

Women Forum held in Manchester UK

Asmara’s Art Deco Buildings and the World...