April 1, 2011

ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓት ከምዘሰላሰለ፣ ሚኒስትር ሕርሻ ሓቢሩ።

ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓት
ከምዘሰላሰለ፣ ሚኒስትር ሕርሻ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ፣ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝሓለፈ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት ገዚፍ ወፍሪ ብምግባር ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓት ከምዘሰላሰለ፣ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ኣረፋይነ ብምኽንያት’ቲ ካብ 4 ክሳብ 6 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ባረንቱ ዝካየድ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፣ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽን መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ ንምውዳድን ዛጊት ብዝተኻየደ ውሁድን ዕቱብን ጻዕሪ፣ ኣብ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፣ ምህናጽ ዲጋታትን ካልኦት ከዘንቲ ማይን፣ ምስራሕ መእለዪ ወሓይዝ፣ ምትእትታው ዘመናዊ ኣገባብ ሕርሻን ካልእን ዝምስገን ስራሓት ከምእተሳለጠ ኣብሪሁ።

ቀንዲ ራኢ ሚኒስትሪ ሕርሻ፣ ብርትዓዊ ዋጋ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ብምዕጋብን ትሕጃ ብምሓዝን ንሰደድ ዝጠመተ ምህርቲ ምፍራይ ምዃኑ ዘመልከተ ሚኒስተር ኣረፋይነ፣ ነቲ ኣብ ዝናብ ክራማት ዝምርኰስ ያታውን ኣህላኽን ሕርሻዊ ንጥፈታት ብዘመናዊ ኣገባብ ንምትክኡ ብዝተኻየደ ጻዕሪ፣ መስኖኣዊ ኣገባብ ብሰፊሑ ብምትእትታው ኣብ ትሕትን ልዕልን ዲጋ ዝርከብ መሬት ብግቡእ ንምልማዕ ጽፉፍ መጽናዕቲ ከምእተገብረን ዝተበጋገሰ ስራሓት ከምዘሎን ብምግንዛብ፣ ጥብ ዝበለት ማይ ብግቡእ ብምዕቃብ ኣብ ልምዓት ንምውዓል ብህዝቢ፣ መንግስትን ሓይልታት ምክልኻልን ንዝዕመም ዘሎ ውሁድ ስራሕ መጒሱ።

ምምዕባል ኣግሮ-ኢንዱስትሪ’ውን ዓቢ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ዝስራሓሉ ዘሎ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ኣረፋይነ፣ ንፋብሪካ ባናቶም ዝቕልብ ፍርያት ኮሚደረ፣ ከምኡ’ውን ጡጥን ቃንጫ ሽኮርን ንምስፋሕ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ ገሊጹ።

ጥሪት ጥዕናአን ተሓልዩ ንኽስስና ዝተዓመመ ስራሕ ውጽኢታዊ ምንባሩ ብምምልካት ድማ፣ ጉልሓይን ካልኦት ኣሰከፍቲ ሕማማትን ምሉእ ብምሉእ ካብ ሃገርና ከምእተወገዱ፤ በዚ ከኣ ምህርቲ ጸባ፣ ስጋን እንቋቝሖን ብዓይነትን መጠንን ንምቕያር ሓያል ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ  ኣብሪሁ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ መወዳእታ፣ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ሕርሻዊ ምርምር ሓልሓለ፣ ባህርያዊ ጸጋታት ኣብ ምዕቃብን ፍርያምነት ኣብ ምኽዕባትን ከካይዶ ዝጸንሐ ምርምራት ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ብምሕባር፣ ናይ ነዊሕን ሓጺርን መደባት ብምስራዕ ኣብ ኮለጃት ሓጋዝን ሓመልማሎን ከምኡ’ውን ኣብ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ሳዋ ክኢላታት መንእሰያት ብምፍራይ ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ደራኺ ሓይሊ ንምፍጣር መደብ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

******** ኣ.ዜ.ኤ ********

Meeting of High Level Committee of Eritrea and...

Senior Eritrean delegation visit to Somalia

إرتريا أرض البحر الحلقة الثالثة ” لعلعة...

Senior Eritrean delegation left for Addis Ababa

Diplomatic activities by Eritreans in Diaspora

President Isaias met and held talks with Saudi...