August 29, 2012

ዋዕላ ቊጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ተዛዚሙ።

ዋዕላ ቊጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ተዛዚሙ።

“ልምዓት ህዝቢ፣ ብህዝቢ ንህዝቢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ27 ነሓሰ ኣብ ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ዝተኸፍተ ዋዕላ ቊጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ሎሚ 28 ነሓሰ ተዛዚሙ።

ኣብ መዛዘሚ ናይ’ቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ዶክተር ወልዳይ ፍጡር ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ እቶም ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ዝቐረቡ ርእይቶታትን ሓሳባትን ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ዝካየድ ካልኣይ ዋዕላ ኣገደስቲ ምዃኖም ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ወፍሪ ንምትብባዕ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብር፤ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ዋዕላ፣ ንንጥፈታት ወፍሪ – ኣብ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ ንግዲ፣ ትሕተ-ቅርጽን ካልኦት ዓውድታትን ዘተኰሩ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፣ ኣብ ዝቐረቡ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፣ ንኣገባባት ዕድጊ ብርክታትን ካልኦትን ዛዕባታትን ብዝምልከት ምስ ክኢላታት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ካብ ተሳተፍቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ እዚ ዋዕላ’ዚ ብሃንቀውታ ክጽበይዎ ዝጸንሑን ኣብ ግቡእ ግዜኡ ዝተኻየደ ምዃኑን ብምምልካት፣ መንግስቲ ንኣውፈርቲ ንምትብባዕ ክወስዶ ዝጸንሐን ዘሎን ስጉምትታት፣ ማሎም ኣብ ሃገሮም ከውፍሩ ድርኺት ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም።

ካብ ዞባ ዓንሰባ ዝመጸ ኣቶ ኣሕመድ ዓብዱን ካብ ዞባ ደቡብ ዝመጸ ኣቶ ተስፋማርያም ተኽላይን፣ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ቊጠባዊ ምንቅስቓስ ምስ ኩሉ ተጻብኦታት ኣዛሚድካ ክርአ እንከሎ ዝምስገን ምዃኑ ብምሕባር፣ ነዚ ሕጂ መንግስቲ ዘጣጥሖ ዘሎ ባይታ ንወፍሪ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ምዃኖም ኣነጺሮም።

“ከምዚ ዓይነት ዋዕላ ምክያድ ዓቢ ብልጫ’ዩ ዘለዎ” ዝበለት ካብ ዛምብያ ዝመጸት ወይዘሮ ኣስገደ ገረዝጊሄርን ካብ ኣትላንታ – ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ ዝመጸ ኣቶ ኣማኑኤል እምሃን ብወገኖም፣ ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ብምስታፎም መደባት መንግስቲ ኣብ ወፍርን ኣውፈርትን ብንጹር ክፈልጡ ከምዝሓገዞምን ከምዘተባብዖም ብምሕባር፣ ንዋዮም ኣብ ሃገሮም ብምፍሳስ ድርብ ረብሓ ንክረኽቡ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

**** ኣ.ዜ.ኤ. ****

Interview with President Isaias Afwerki

President Isaias Leaves for Egypt

Mohamed bin Zayed receives President of Eritrea

Eritrea 2017 in Review  – Part I

President Isaias Receives Credentials of Six...

الإيقاد .. الوجه الآخر للنظام الإثيوبى .. هل...