November 7, 2012

ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሱዳን ተቓኒዑ።

ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሱዳን ተቓኒዑ።

ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሱዳን፣ “መንእሰይ ይንቃሕ፣ ይወደብ፣ ይዕጠቕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 2 ክሳብ 4 ሕዳር ኣብ ከተማ ካርቱም ተቓኒዑ።

ኣብ’ቲ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሱዳን ዝመጹ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር፤ ተራ ውዳቤ መንእሰያት ኣብ ምክልኻልን ህንጸትን፤ ከምኡ’ውን ብድሆታት መንእሰያት ኣብ ስደት ዘተኰረ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደ፣ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፣ ዝሓለፉ ወለዶታት ኣብ ግዜኦም ዝነበሩ ግድላት እናፈትሑ፣ መሳርዖምን ውዳቤኦምን እናኣጽፈፉን ክብርታት ሕብረተሰቦም እናዓቀቡን ንጸላእቲ ብምስዓር፣ ኣብ ድልዱል ባይታ ዝቘመት ናጻን ልኣላዊትን ሃገር ከምዝፈጠሩ፤ ምህናጽ ሃገር ድማ ናይ ሓደ ወለዶ ዕማም ዘይኮነ ናይ ተኸታተልቲ ወለዶታት ረዚን ሓላፍነት ምዃኑ ብሰፊሑ ክበርህ እንከሎ፣ ልኡላውነት ሃገር ዓቂብካ ብቝጠባዊ ሓርነት ምድርዑ፣ ናይ ሎሚን መጻእን ወለዶታት ሓላፍነት ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ሓላፊ ምርምርን ስነዳን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ዘምረት ዮውሃንስ “ምህናጽ ሓያል ሃገርን ብድሆታት ኤርትራውያን መንእሰያትን” ብዝብል ኣርእስቲ ንተሳተፍቲ ዝርዝራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ዋዕለኛታት ኣብ መወዳእታ፣ ንቕሓት ብምምዕባል ውዳቤን መኸተን ምሕያል፤ ንትሕቲ ዕድመ ወለዶ ድማ ብሃገራውነትን ሃገራዊ ክብርታትን ምዅስኳስ – ኣብ ናይ 2013 መደኣት ኣትዩ ኪስርሓሉ፤ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝርከባ ጨናፍር መንእሰያት ህግደፍን ኣብ ውሽጢ ሃገር ቅያ ምስ ዝሰርሕ ዘሎ መንእሰይን ሓባራዊ መደባት ክትግበር፤ ከምኡ’ውን ስድራ-ስውኣት ንምእላይን ንምሕብሓብን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ወሲኖም።

******* ኣ.ዜ.ኣኤ. *******

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...