March 23, 2014

ወግዓዊ ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ” ብልዑል ማዕርግ ተኻዪዱ

ወግዓዊ ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ
“ውቃው እዝ” ብልዑል ማዕርግ ተኻዪዱ

ወግዓዊ ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ” ብልዑል ማዕርግ ተኻዪዱ

ወግዓዊ ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ”፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝመጹ ዜጋታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ እማህሚመ ብድምቀት ተኻዪዱ፣ ኣብ’ቲ ብዝተፈላለየ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ዝማዕረገ – ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽን ብቐጥታ ዝተፈነወ መደብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ቅያ ጅግንነትን ውፉይነትን፡ ተጻዋርነትን ተበላሓትነትን ፍጻመታት ሳሕልን ውቃውን ገናጺልካን ኣንቢብካን ዘይውዳእ ዘይተኸፍተ – ወሰኽን ምጽብባቕን ዘየድልዮ ቅሙጥ ሰነዳት ስለዘሎ፡ ሰነዳት ሰዓት ሰዓትን ሰነዳት መዓልቲ መዓልትን ኩላቶም ግዱሳት ኣቓልቦ ክገብሩሉ ኣዘኻኺሩ፣

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ብዙሓት ንዝኽሪ ታሪኽ ቃልሲ ተባሂሎም ዝውደቡ ኣጋጣሚታት ኮነ ዝትከሉ ሓወልትታት ሕልፍ ምስ በሉ ስለዝርስዑን ዝዓንውን ቀጻሊ ኣቓልቦ ከይንፈጎም ብምልባው፡ ንኹሎም ነቲ ጽንብል ሓሳብ ዘፈልፈሉን ንድምቀቱ ኣበርክቶ ዝገበሩን ድሕሪ ምምስጋን፡ “ነቶም ኣብ ሳሕል – ኣብ’ቲ ግንባርን መሬቱን መዘና፡ ቃላትን መግለጽን ዘይርከቦ ሓርበኝትን ጅግንነትን ፈጺሞም ብኽብረት ዓሪፎም ዘለው ጀጋኑ ሓበንን ሞሳን ንዓኹም” ኢሉ፣ ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ጽገረዳ ወልደገርጊስ ብወገና፡ ንኣገዳስነት’ቲ ጽንብል ኣብ ልክዕ ቦታኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ከም’ዚ ዓይነት ኣጋጣሚ – እቲ ዓሚቚ ትሕዝቶ ዘለዎ ዘሐብን ታሪኽናን ሕድሪ ሰማእታትናን ህያው ኮይኑ ንኽነብርን ናብ ቀጻሊ ወለዶ ክሰጋገርን፡ ሓላፍነትን ሕድርን ዘሰክምን ድርኺት ዝፈጥርን ዕዙዝ ብልጫታት ከምዘለዎ ኣብሪሃ፣

ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ስራጅ ሓጅ ኣቐዲሙ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምድምሳስ “ውቃው እዝ”፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ መድረኽ ምርብራብ ናብ መድረኽ መጥቃዕቲ ብምስግጋር፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቀላጠፈን ንዓበይቲ ወተሃደራዊ ግጥማት ባይታ ዘንጸፈን ብምዃኑ ዝኽሩ ረዚን ትርጒም ከምዘለዎ ብምምልካት፡ ነቲ ጽንብል ንምምዕራግ ብቕንዕናን ተወፋይነትን ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ብምልኦም መጒሱ፣ እቲ “ሳሕል ከም ሃገር፡ ህዝባዊ ግንባር ከም መንግስቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ብምርኢት ካርኒቫል ትካላትን ምምሕዳራት ከባቢ፡ ሙዚቃዊ ድራማ፡ ግጥምን ዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታትን ዘጠቓለለ መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ፣

ብ21 መጋቢት ዝተጀመረ መደባት ጽንብል ዝኽሪ 30 ዓመት ምድምሳስ “ውቃው እዝ”፡ ክሳብ ጽባሕ ሰንበት 23 መጋቢት ብዝተፈላለየ ትሕዝቶታት ክቕጽል’ዩ፣

***** ኣ.ዜ.ኤ *****

Witness some of themost unique & fabulous...

Press Statement – Eritrea Festival 22-23...

ፌስትቫል ኤርትራ ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ...

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

Föderation für Weltfrieden – Universal...

President Isaias Holds Talks with PRC Communist...