November 24, 2012

ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ብምሕያል ህዝቢ ተጠቃሚ ስሉጥ ኣገልግሎት ፍትሒ ንክኸውን ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ሚኒስተር ፎውዝያ ሃሽም ገሊጻ።

ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ብምሕያል ህዝቢ ተጠቃሚ ስሉጥ ኣገልግሎት ፍትሒ ንክኸውን ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ሚኒስተር ፎውዝያ ሃሽም ገሊጻ።

ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ብምሕያል ህዝቢ ብቐረባ ብስሉጥ ኣገልግሎት ፍትሒ ንኽረክብ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ፣ ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ብ21 ሕዳር ንሓለፍቲ ትካላት መንግስትን ግንባርን፣ ኣባላት ባይቶ፣ ማሕበራትን ወከልቲ ህዝብን ዞባ ማእከል ኣብ ዘካየደቶ ሰሚናር ገሊጻ።

ኣብቲ ኮም ዝሰረቱ ምምሕዳር ፍትሒ ንምሕያል ክካየድ ብዛዕባ ዘድሊ ሓባራዊ ጻዕሪ ባይታ ንምጥጣሕ ዝዓለመ ሰሚናር፣ ሚኒስተር ፎውዝያ፣ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ንጉዳያት ብዝወሓደ ሃልክን ግዜን ንምፍታሕ ሓያል ጻዕሪ የካይዳ ከምዘለዋ ብምሕባር፣ ኣብ መዳይ ምፍጻም ፍርዲ ክረኣዩ ዝጸንሑ ጸገማት ንምፍዋስ ንዝተኣወጁ ሕጋጋት፣ ኣተጋባብራኦምን ዝተወስዱ ስጉምትታትን ብዝምልከት ዝርዝራዊ መብርሂ ሂባ።

ሚኒስተር ፎውዝያ ኣስዒባ፣ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክህቦ ንዝጸንሐ ፍርዳዊ ኣገልግሎት ብመንጽር ስሉጥነት፣ ርሕውነት፣ ርትዓውነትን እዋናውነትን ድሕሪ ምግላጽ፣ ንምድልዳል ክሊ ስልጣን ኣብያተ-ፍርዲ ብዝምልከት ንዝወጸ ኣዋጅ ቍ.167/2012ን ትግባረኡን ኣብሪሃ።

ብዘይካ’ዚ፣ ሚኒስትሪ ፍትሒ ንነዊሕ ዝጠመተ ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት ብምሕንጻጽ፣ ተሓታትነት ብዘለዎ ኣገባብ ፍርዳዊ ኣካል ኣዕጋቢ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል መደብ ሓንጺጹ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ብምብራህ፣ ኣብ መዳይ ምኽባር ሕጊ፣ ገበናት ኣብ ቦታ ፍጻመ ተጸኒዖምን ተመስሪሖምን ክጻፈፉ ምዃኖም፤ ኣብ’ቲ ዝድለ ዕላማ ንምብጻሕ ድማ ንጡፍን ግብራውን ተሳትፎ መሻርኽቲ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ኣብ መወዳእታ፣ ጂኦግራፍያዊ ዝርግሐ ኣብያተ-ፍርዲ ንምዕባይ ብዕቱብ ተታሒዙ ከምዘሎ ጠቒሳ፣ ቅርጺ’ቲ ትካል ኣብ ቅርጽን ኣቃውማን ምምሕዳራት ዝተመርኰሰ ከምዝኸውን ኣተንቢሃ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፣ ኮም ዝሰረቱ ፍትሒ ንምድልዳል ንዝካየድ ዘሎ ውሁድ ጻዕሪ ብምንኣድ፣ ተመላሊእካን ተወሃሂድካን ምስራሕ ኣብ ምስላጥ ጉዳያት ዕዙዝ ኣበርክቶ ስለዘለዎ፣ ንምዕዋቱ ምትሕብባሮም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

ኣብ’ዚ እዋን ብደረጃ ሃገር 28 ስሩዓት ኣብያተ-ፍርዲ፣ 402 ድማ ኮማውያን ኣብያተ-ፍርዲ ኣለዋ።

**** ኣ.ዜ.ኤ ****

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...