June 9, 2013

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂ ባሕርን፣ 148 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂ ባሕርን፣
148 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂ ባሕርን፣  148 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።ኣብ ከተማ ባጽዕ ተደኲኑ ዝርከብ ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂ ባሕሪን፣ ብ7 ሰነ – ብዓውድታት ሕርሻ ማይ፣ ሃብቲ ዓሳ፣ ባዮ-ቴክኖሎጂ ባሕርን ምህንድስና ባሕርን ዘምሃሮም 75 ብዲግሪ 73 ድማ ብዲፕሎም – ብጠቕላላ 148 ተማሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።

ኣብቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ወለዲን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፣ ሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ መንግስቲ ኤርትራ ፍልጠትን ሞያን ዝዕጣቑ ዜጋ ንምፍራይ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ገዚፍ ወፍሪ ክገብር ምጽንሑ ድሕሪ ምብራህ፣ ተመረቕቲ – ጸጋታት ባሕሪና ብግቡእ ተመዝሚዙ ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምውዓሉ ሓላፍነት ብዘሰክም ዓውዲ ይምረቑ ምህላዎም ብምዝኽኻር፣ ኣብ ስራሕ ምስ ተዋፈሩ ሞያኦም ብምምዕባል ንህዝቦምን ሃገሮምን ብውፉይ ስራሕ ክኽሕሱ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ዲን ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ባሕሪን ዶክተር ዘከርያ ዓብደልከሪም ብወገኑ፣ ተሳታፍነት ደቂኣንስትዮ ኣብ’ቲ ኮለጅ ናይ 13 ሚእታዊት ዕቤት ከምዘመዝገበ ብምሕባር፣
እቲ ኮለጅ ዘድልዮ መሳለጥያታት እናማልአ፣ ቀረብን ብቕዓትን መምህራን ንምዕባይ፣ ንመምህራንን ተሓጋገዝቲ መምህራንን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቶም ከምዝከታተሉ ይገብር ከምዘሎ ብምብራህ፣ ኣብ መጻኢ ሓደስቲ ዓውድታት ንምትእትታው መደብ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ዶክተር ዘከርያ ኣብ መወዳእታ፣ ተመረቕቲ ቀሲሞሞ ዘለው ፍልጠት ንህዝቦምን ሃገሮምን ብትግሃትን ተወፋይነትን ከገልግሉ፣ ብቐንዱ ድማ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ንጥፈታት እጃሞም ከበርክቱ ኣዘኻኺሩ።

“ቀሲምናዮ ዘለና ትምህርቲ መንጠሪ ባይታ ናብ ዝቕጽል ሓድሽ ምዕራፍ ሂወትና’ዩ” ዝበለ ወኪል ተመረቕቲ ብግደኡ፣ መንግስቲ ማዕረ ዕድላት ትምህርቲ ንኹሉ ዜጋ ንምብጻሕ ቀዳምነት ሰሪዑ ይሰርሕ ስለዘሎ፣ መንእሰያት ተፈጢሩሎም ንዘሎ ጥጡሕ ባይታ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ብምልባው፣ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ንኽበጽሑ ንዘምሃሮም ህዝብን መንግስትን ብዘይተጎላባነት ንምግልጋል ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

ንሻድሻይ ግዜኡ ዘመርቕ ዘሎ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂ ባሕርን፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣስታት 650 ተመሃሮ ተቐቢሉ፣ ብኣርባዕተ ዓውድታት የምህር ከምዘሎ ሰነዳቱ የመልክቱ።

******* ኣ.ዜ.ኤ *******

Hirgigo power plant: Project worth over 98 Million...

Cabinet Ministers holds meeting

“Beyond Refugee Crisis and Human Tracking...

Engaging & Understanding the Horn of Africa...

Speech by H. E. Ambassador Hanna Simon, Permanent...

The Board of Directors of the African Development...