June 13, 2011

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂን ባሕሪ፣ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ዘምሃሮም 71 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 198 ተመሃሮ ብ11 ሰነ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።

ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂን ባሕሪ፣ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ዘምሃሮም 71 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 198 ተመሃሮ ብ11 ሰነ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።

ኣብቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፣ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ራኢና ክውን ንምግባር መንግስቲ ዝዓበየ ወፍሪ ኣብ ትምህርቲ ይገብር ከምዘሎ፤ ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኮለጃት ብዝምረቑ ዘለዉ መንእሰያት ይረጋገጽ ምህላዉ ኣነጺሩ።

“ትምህርቲ፣ ናይ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ብራኸ ዘምጽእ ዘይነጽፍ ቀላይ’ዩ” ዝበለ ሚኒስተር ተወልደ፣ ተመረቕቲ ኣብ ስራሕ ዝገብርዎ ቀጻሊ ምርምርን ጻዕርን ንዝበለጸ ፍልጠት ከምዝድርኾም ብምእማን፣ ሓያል ጻዕሪ ክገብሩን ነታ ብዋጋ ደምን ኣዕጽምትን ዝመጸትን ዝተዋሕሰትን ሃገር ኣብ ዝበረኸ መሳልል ከብጽሕዋ ተላብዩ።

ዲን ኮለጅ ስነ-ፍልጠትን ተክኖሎጂን ባሕሪ ዶክተር ዘከርያ ዓብደልከሪም ብወገኑ፣ ተመረቕቲ ብዓውድታት ሕርሻ ማይ ባሕሪ፤ ስነ-ሂወት ባሕርን ምግፋፍ ዓሳን፤ ቴክኖሎጂ ስነ-ሂወት ባሕርን ምህንድስና ባሕርን ከምዝሰልጠኑ ብምሕባር፣ እቲ ኮለጅ ነዞም ናይ ሎሚ ዓመት ወሲኽካ ካብ ዝምስረት 560 ተመሃሮ ከምዘመረቐ ገሊጹ።

ዶክተር ዘከርያ ኣስዒቡ፣ እቲ ኮለጅ መሰረታዊ መሳለጥያታት ናይ ኮምፒዩተር፣ ላባራቶሪን ቤት-መጻሕፍትን ከምዘለዎ፤ ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ ተወሳኺ ናይ ላባራቶሪ ክፍልታት ከምዝኸፈተ ጠቒሱ፣ ከም ሓድሽ ኮለጅ መጠን ንሕጽረታቱ እናመልአ ውጽኢታዊ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ስርዓት ይቕርብ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ወኪል ተመረቕቲ ድማ፣ ሕልሞም ክውን ንክኸውን ኩሉ ዋጋን ሓልዮትን ንዝወፈዩሎም መንግስትን ህዝብን ድሕሪ ምምስጋን፣ ጻማኦም ብስራሕ ንምኽፋል ድልውነቶም ኣረጋጊጹ።

****** ኣ.ዜ.ኤ ******

 

Government of Eritrea sends message of condolences

Southern region 18th regular Assembly meeting

Omhajer-Humera border point re-opened

Senior Eritrean delegation on working visit to...

Eritreans welcome New Year 2019 with enthusiasm

Ambassador Semere Russom presents credentials