January 10, 2014

ካብ 13 ክሳብ 19 ጥሪ 2014 ኣብ ጋቦን ኣብ ዝካየድ ብዙር ‘ላትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ’ 2014 La Tropicale Amissa Bongo ኣብ ዝጽዋዕ ቅድድም እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ሎሚ ዓርቢ 10 ጥሪ 2014 ወጋሕታ ናብ ከተማ ሊብረቪል(ጋቦን) ኣምሪሓ።

ካብ 13 ክሳብ 19 ጥሪ 2014 ኣብ ጋቦን ኣብ ዝካየድ ብዙር ‘ላትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ’ 2014 La Tropicale Amissa Bongo ኣብ ዝጽዋዕ ቅድድም እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ሎሚ ዓርቢ 10 ጥሪ 2014 ወጋሕታ ናብ ከተማ ሊብረቪል(ጋቦን) ኣምሪሓ።

894

By- Dirar Fessahaye
እታ ብኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያስ እናተኣለየት ንተቐዳደምቲ ተስፎም ዑቕባምርያም፣ ሜሮን ተሾመ፣ ሜሮን ኣማኑኤል፣ ክንድሽሕ ደበሳይ፣ መትከል ኢዮብ ኣማኑኤል ገ/ሔርን ብምሓዝ ውድድራታ እተካይድ ሃገራዊት ጋንታ ኣብቲ ሓያለ ናይ ወጻኢ ሃገራት ፕሮፊሽናል ክለባት ዝሳተፋኦ ዙር በዳሂ ተወዳዳርነት ከምዝጽበያ ኣሰልጣኒ ዮናስ ዘካርያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ብ ዩ.ሲ.ኣይ ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ውድድራት ዝሓየለ ምዃኑ ዝንገረሉ ዙር ኣሚሳ ቦንጎ ጋቦን ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድሩ ሸውዓተ መድረኻት ዘጠቓለለ ናይ 974 ኪ/ሜ. ውድድር ክሽፍን እንከሎ 13 ጥሪ 2014 ካብ ቢታም ናብ ኤቦሎዋ(ካሜሩን) ብዝበጽሕ ናይ 149 ኪ/ሜ ቅድድም ናይ ሎሚ ዓመት ውድድሩ ብወግዒ ክፍልም’ዩ። ኣብዚ ኣህጉራዊ ውድድር’ዚ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ስፖርታዊ ዓመተ ስፖርት 2013 ኮይኑ ዝተሰምየ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክለብ ዩሮፕ-ካር ናትናኤል ብርሃነ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ውድድር ተዓዋቲ ወዲ ጋንትኡ ዮሃን ጄን ሓቢሩ ማልያ’ታ ፈረንሳዊት ጋንትኡ ወድዩ ክወዳደር ትጽቢት ይግበረሉ።

Eritrean Sport Commission
Public Relations Dep’t

Witness some of themost unique & fabulous...

Press Statement – Eritrea Festival 22-23...

ፌስትቫል ኤርትራ ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ...

ኣስመራ፣ ከተማ ሕልምታት – Asmara: City of Dreams

Föderation für Weltfrieden – Universal...

President Isaias Holds Talks with PRC Communist...