September 24, 2013

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

725ሃብትኣብ ጽገ
እዚ ካብ ሎሚ ጀሚርና። ኣብ 8 ቀጻሊ ክፋላት እነውጽኦ ጽሑፋት። ካብቲ ጀርመናዊ ሃ. ሞለር ዘዳለዎ „ደሞክራስያዊት ረፑብሊክ ጀርመንን ኢትዮጵያን“ ስነዳዊ መጽሓፍ ዝተወስደ ኮይኑ። ብመሰረቱ ከኣ ኣብቲ ንስርዓት ደርጊ ካብ1977 ክሳብ 1989 ዝተዋህበ ወተሃደራዊ ደገፍ ዘተኮረ ኢዩ።። እዚ ኣብቶም ኣገደስቲ ዛዕባታት ብምትኳር። ካብ ጀርመን ናብ ትግርኛ ዝተተርጎመ መጽሓፍ። ዘብርሃልና። ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰገሮም ኣዝዮም ከበድቲ ብድሆታት ከምዝነበሩ ኢዮም፣

እዚ ብቐንዱ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ቃልሱን ዝተፈጸመ ውዲት ናይ ሓንቲ ሽዑ ከም ሃገር ዝነበረት ምብ/ጀርመን ኢዩ።። እዚ ግን ኣካል ናይ’ቲ ዓለማዊ ውዲት ኢዩ።። እቲ ምንታይ ኣብቲ ንሰውራ ኤርትራ ንምጭፍላቕ ዝግበር ዝነበረ ውዲታት። ሰፊሕ ዝርገሐ ከምዝነበሮ ዝፍለጥ ኢዩ፣ እዚ ከም ኣብነት ዝውሰድ ውዲት ምብ/ጀርመን። ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ከምዝነበረ። ኣብዚ መጽሓፍ ከም ዝተገልጸ። „እቲ ጠቕላላ መጠን ናይ’ቲ ምብ/ጀርመን ካብ 1977 – 1989: ንኢትዮጵያ ዝሃበቶ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክግመት ደኣ’ዩ ዝኽእል እምበር: እቲ ልክዕ መጠን ብኣሃዝ ክወሃብ ኣይከኣልን ኢዩ:: ምኽንያቱ: ብልክዕ መጠኑ ስለዘይተሰነደ ኢዩ፣“ እቲ መጽሓፍ ቀጺሉ ቃልሲ ኤርትራ ነዚ ኹሉ ኣንጻሩ ዝተኻየደ ፈተነታት ስዒሩ። ብዛዕባ ዓወቱ ክገልጽ ከሎ „ነጻነቶም ዓቂቦም ጥራይ ዘይኮነ ከኣ: ኣብ 1993 ረፈረንዱም ብምክያድ ዳርጋ ብሓደ ድምጺ ንነጻነት ብምድጋፍ: ልኡላዊት ሃገር ኣቚሞም ኢዮም:: ነዚ ምዕባለ’ዚ ብምዕዛብ:ፎልከር ማቲስ „እዚ ኣመጻጽኣ ሃገረ ኤርትራ ዘርእየና: ሓንቲ ሃገር ብዘይ መንግስቲ ብዘገምታ ብምዕባይ: ልኡላዊት ሃገር ናይ ምትካል ሸቶኣ ክትወቅዕ ከምእትኽእል ኢዩ::“ክብል ገሊጹ፣
ትርጉም። ሃብትኣብ ጽገ

ቀዳማይ ክፍሊ
መጠን ዘይብሉ ምሕብሓብ ንስርዓት መንግስቱ
1. ጻውዒት መንግስቱ:-
ኣብ 12.7.1977 ኣቦ-ወንበር ደርግ: መንግስቱ ሃይለማርያም ብዝገበረሎም ዕድመ መሰረት: ኣምባሳደራት ማሕበርነታውያን ሃገራት ምስኡ ሓበራዊ ኣኼባ ኣካይዶም:: ኣብቲ ኣኼባ መጀር ብርሃነ ባየህ (ኣባል ደርግ): ከምኡ’ውን መጀር ዳዊት ወልደግዮርጊስ (ጸሓፊ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት) ዝተረኽብሉ ኮይኑ:መንግስቱ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ኩነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ መግለጺ ሂብዎም::
እሱ ኣብ መግለጺኡ: „ሰውራ ኢትዮጵያ ብተዛማዲ ኣብ ሓጺር ግዜ ዓበይቲ ዓወታት ከምዘመዝገበ ሓቢሩ:: እቲ ኣረጊት መስፍናዊ ስርዓት ተሓምሺሹ:: እቲ ቁጠባዊ ስርዓት ንምልዋጥ ከኣ ዓበይቲ ጻዕርታት ተኻይዶም:: እቲ ሰውራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምጥቃዕ ይርከብ ነይሩ:: ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እቶም ናይ ውሽጥን ወጻእን ኣድሓርሓርቲ ወገናትን ሓይልታትን ብምውህሃድ: ነቲ ሰውራ ክሓንቅዎ ይጽዕቱ ኣለዉ::“ ኢሉ።
መግለጺኡ ብምቕጻል: „ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተነጸልቲ: ሓይልታቶም ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ጥራይ ዘይኮነ: ካብ ምዕራብ ጀርመን ብዝረኸብወን ድሩዓት መኻይን ዝርከበኦ: ዘመናዊ ኣጽዋር ወኒኖም ኣለዉ:: ኣብዚ እዋን’ዚ ዓበይቲ ውግኣት ይካየዱ ኣለዉ:: ካብ ከተማ ከረን ክንወጽእ ተገዲድና ኣለና:: እቶም ተነጸልቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ናብ መጥቃዕቲ ተሰጋጊሮም ይርከቡ:: ሱዳን ብወገና ሰራዊት ግብጺ ዝሓቖፈ ብዙሕ ሰራዊታ ኣብ ዶብ ኣጸጊዓቶም ትርከብ:: ኣብ ሰሜንን ሰሜናዊ ምዕራብ መሬት ኢትዮጵያ: ንኢትዮጵያዊ ደሚክራስያዊ ሕብረት (EDU) ትድግፍ ኣላ:: ኣብ ኣውራጃ ወለጋ ከኣ ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ኣለዉ::“
„ሶማልያ: ኣብ ደቡብ ዘሎ ንጥፈታታ ብምሕያል ንኦጋዴን ክትጎብጥ ትፍትን ኣላ:: ካብ ሶማልያ ተበጊሶም ዝነጥፉ ኮማንዶታት: ድልድላት: መንገዲ ባቡራት ኣዕንዮም: ብዙሕ በርጌስ ህዝቢ ቀቲሎም ኣለዉ:: እዞም ሓይልታት’ዚኦም: ነዚ ንጥፈታት’ዚ ከካይዱ: ብሕብረት ሶቭየትን ካልኦት ማሕበርነታውያን ሃገራት ዝተዋህቡ ኣጽዋር ይጥቀሙ:: ካብ መሬት ናብ ኣየር ዝውንጨፉ ሚሳይላት ይውንኑ:: ሓይልታት ሶማል ዛጊት 100 ኪ.ሜ. ናብ ውሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ኣትዮም ይርከቡ:: ኣብዞም ዝተጠቕሱ ቦታታት: እቲ ሚዛን ሓይሊ ንረብሓ መድሓርሓርቲ ሓይልታት ተለዊጡ ይርከብ:: ሰውራ: ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣዝዩ ተነቃፊ መድረኽን ኣብ ምክልኻልን ኣትዩ ኣሎ::“

ብንጥፈታት ናይ’ዞም ሓይልታት’ዚኦም ተተባቢዖም: ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ኣድሓርሓርቲ ንጥፈታቶም የሐይሉን: ንሰውራውያን ካድራት ከኣ ይቕንጽሉን ኣለዉ:: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 4 ካድራት መራሕቲ ቀበሌታት ተቐቲሎም:: ናይ ሶቭየት ባህላዊ ማእከልን: ኣብ ማሕበር ኢትዮ-ሶቭየት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ:: እቲ ስርዓት: ነቲ ኩነታት ንረብሓ ሰውራ ክቕይሮ ይጽዕር ኣሎ:: እቲ ቃልሲ ግን ኣንጻር’ዞም ዝተጠቕሱ ጸላእቲ ጥራይ ዘይኮነ: ኣንጻር ግዜ’ውን ኢዩ:: ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ይድለ ኣሎ:: ማሕበርነታውያን ሃገራት: ነዚ ገጢሙና ዘሎ ጸገማት ክንሰግሮ ምእንቲ: ንሰውራ ኢትዮጵያ ሓገዘን ክቕጽላ ተስፍኡ ገሊጹ::

H. Exc. Mrs. Hanna Simon, Ambassador of the State...

President’s Speech on the Occasion of Martyrs...

Prayer services in memory of Martyrs

قراءة لخطاب الرئيس الارتري الى مجلس الامن...

Press Statement

Asmara Art Deco Exhibition staged in the city of...