July 27, 2011

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ሃብትኣብ ጽገ
ሻብዓይ ክፍሊ

ቀረብ 1989/1990
እዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ምብ/ጀርመን ዝተዋህበ መግለጺ ብዛዕባ ውድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያ: ኣብ ፈለማ 1989 ብጋህዲ ክርአ ጀሚሩ:: መንግስቱ ሃይለማርያም ብዙሕ ትርጉም ዘይብሉ: ብዕለት 7.3.1989 ደብዳበ ናብ አሪክ ሆነከር ጺሒፉ:: ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ንሚስተር ፋሲካ ሲደሊል ናብ ምብ/ጀርመን: ብዕለት 17.3.1989: ብምልኣኽ: ንሚስተር ሆርስት ዶሉስ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ብኣካል ክገልጸሉ ፈቲኑ:: እዚ ልኡኽ መንግስቱ ከኣ: እቲ ኣዝዩ ሕማቕ ዘሎ ኩነታት ገሊጹ:: በበሃህልኡ: ህ.ግ.ሓ.ኤ. ን ህ.ወ.ሓ.ትን ብሓባር ኣብዚ ሓጺር ግዜ ብዘመዝገበኦ ዓወታት ንሰራዊት ኢትዮጵያ: ኣብ ሓደጋ የእትየነኦ ኣለዋ:: ክልቲአን ውድባት ከኣ ሓባራዊ ኮንፈደራላዊ ስርዓት ከቑማ መደብ ኣለወን:: እሳተን ሓደ ሓባራዊ መሪሕነት ዘለወን ኮይነን: እቶም ኣባላት መሪሕነት ከኣ ነሓድሕዶም ይዛመዱ ኢዮም:: ኢትዮጵያ: ካልእ ምርጫ ስለዘይብላ: ሓገዝ ክትልምን ምግዳዳ: ከምዘየሐጉሳ ገሊጻ:: ስለዚ: T-62 ዝዓይነተን ታንክታት 100 ሓባ የድልያ:: ብተወሳኺ: ንኽልተ መዕርፎ-ነፈርቲ ዝኸውን ናይ ባይታ መሳርሕታት: አለክትሮኒካዊን ሂድራውሊክ መሳርሕታት: የድሊ ኣሎ::

መሪሕነት ምብ/ጀርመን። ነዚ ጠለባት’ዚ ከማልእ ብመትከል ቁሩብ ብምንባሩ: ንኣተገባብራ ዝምልከት ተወሳኺ ዘተ ከካይድ: ንሚስተር ሆርስት ዶሉስ ምምዛዙ ኢዩ:: ኣብዚ። ዝተጋህደ ሓደ ጸገም ግን: ብወገን ኢትዮጵያ: መንግስቲ ምብ./ጀርመን ነተን ታንክታት ብጥርሑ ዝህቦ ኢዩ መሲልዎ:: ኣብ ከምኡ መዕለቢ ክብጽሕ ከኣ ዝደፍእ ከምዝነበረ ይግለጽ:: እዚ: ግን ጌጋ ትጽቢት ምዃኑ: ምብ./ጀርመን ብህጹጽ ዝኣረምዎ ኢዩ:: ኣብ ሓደ ብኣባላት ሰራዊት ምብ.ጀርመን ዝተጻሕፈ ጸብጻብ ዝተገልጸ: „ኣብ ሞንጎ ኣምባሳደር ምብ.ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያን: ኣባል ፖሊት-ቢሮን ጸሓፊ ማእከላይ-ጀርመንን ዝኾነ ብጻይ ሆርስት ዶሉስን: ብዝተኻየደ ዝርርብ: ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ዝሰዓበ ጌጋ ኣተረጓጉማ ኣሪሞሞ ኢዮም:”ይብል:: በዚ ግጉይ ሓበሬታ ከኣ ትጽቢት መሪሕነት ኢትዮጵያ ስለዘስዓበ: መሪሕነት ምብ/ጀርመን: ንመሪሕነት ኢትዮጵያ: ከየጉህን ተስፋ ከየቖርጽን: 30 ታንክታትን። ንመዐርፎ-ነፈርቲ ዝኸውን መሳርሕታትን: ብድምር ኣስታት 12 ሚሊዮን ማርክ ዘወጽእ: ከም “ምሕዝነታዊ ህያብ” ተባሂሉ ክወሃባ ክውስኑ ከለዉ: እተን ዝተረፋ 70 ታንክታት ግን ብንግዳዊ ቅጥዕታት: ብኣስታት 28 ሚሊዮን ማርክ ክሽየጣ ተወሲኑ::

ኣብ ፈለማ ወርሒ 5/1989: ዳግማይ ዘተ ኣብ መንጎ ወከልቲ ምብ/ጀርመንን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ:: እቲ ዘተ ብዛዕባ ቀረብ ናይተን ተሪፈን ዘለዋ ታንክታትን: ብዘይክኡ ከኣ ቀረብ AKM ዝዓይነተ ሸጓጉጥን 500 ዝኾና L-60 ዝበሃላ መኪና ጽዕነትን: ንምዝርራብ ኢዩ:: ኣብዚ ዘተ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ: 70 T-55 ዝዓይነተን ታንክታትን: 500 L-60 ዝበሃላ መኪና ጽዕነትን ክትገዝእ ከምእቲደሊ ገሊጻ:: ኣብቲ ዘተ ግን: እቲ መሸጣ ብዝወሓደ ዋጋ ክኾነላ ተማሕጺና:: እቲ ዋጋታት ብዓሰረተታት ኣሽሓት ክኸውን: ትጽቢታ ገሊጻ:: ብተወሳኺ: ምብ/ጀርመን 22000: AKM ዝዓይነቱ ብረት ብነጻ ክትህብ ተሓቲታ:: እዚ ሕቶ’ዚ ግን ብወገን ምብ/ጀርመን ተቐባልነት ኣይረኸበን: ጥራይ ዘይኮነ: ንነፍሲ ወከፍ ታንክ 180 000 ዶላር: 23125.- ዶላር ንነፍሲ ወከፍ L-60 ዝዓይነተን መኪና: ዋጋ ክትክፈል ጠሊባ:: ነቲ AKM ዝዓይነቱ ብረት’ውን ብጥርሑ ዘይኮነ: ዕዳጋ ብዝውስኖ ዋጋ ክትሸጦ ከምትደሊ ኣፍሊጣ:: ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መመርገጺኦም ምስ ተረሩ ከኣ: ወገን ምብ/ጀርመን ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ ተነጊርዎም::

ድሕሪኡ እንታይ ኣጋጢሙ: ክሳብ ሕጂ ዝፍለጥ የለን:: ሓደ ጭቡጥ ነጥቢ ግን ኣሎ:: ብዛዕባ ቀረብ ታንክታት። ሓደ ምርድዳእ ተፈጺሙ ክኸውን ኣለዎ:: ምኽንያቱ: ኣብ ድሕሪኡ ዝስዓበ ግዜ: T-55 ዝዓይነተን ብዙሓት ታንክታት ንኢትዮጵያ ተዋሂበን ኢየን:: ምናልባት: እዚ ምርድዳእ’ዚ ኣብ ወርሒ 5/ 1989 ኣብ መንጎ መንግስቱ ሃ/ማርያምን አሪክ ሆነከርን ዝተገብረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ::

እታ T-55 ዝዓይነታ ታንክ: ሓንቲ ኣረጊት ሞደል ናይ ክፍላ ሓምሳታት ኢያ:: ብምኽንያት ምንካይ ኣጽዋር ምብ/ጀርመን ከኣ ንካልእ „መዓላታት“ ነጻ ተለቒቐን:: እቲ ብቐዳምነት ዝተዋህባ ንብረት ብ27.3.1989 ኢዩ:: ኣብዚ 400 ቦንባታት ናይ T-55 ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኹ:: ኣብ ወርሒ 5 ወርሒ 6 1989 ከኣ ታንክታት ተዋሂበን:: ብልክዕ ክንደይ ታንክታት ከምዝተዋህባ: ካብ’ቲ ጽሑፍ ዝርከብ ኣይኮነን:: ሰነዳት ምብ/ ጀርመን ብልክዕ እንተተርጒምናዮ ካብ 100-200 ታንክታት: ብመሰረት ውዕልን ምርድዳእን ክወሃባ ከምዝኾና ተረጋጊጹ:: ሓንቲ ምዕራባዊ ምንጪ: 140 ታንክታት ከምዘተቐረባ ኣቃሊዓ:: ኣብ ሓንቲ ምንጪ ምብ/ጀርመን ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ኸኣ: 152 ታንክታት ከምዝነበራ ኢዩ:: ኩሎም ምንጭታት ዝረዳድእሉ ሓደ ሓባራዊ ርእይቶ: ኩለን ኢትዮጵያ ዝጠለብተን ታንክታት ከምዘይተዋህባ ኢየን:: እዘን ታንክታት’ዚአን ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪሐን’ዶ ኣይሰርሓን ዝፍለጥ የለን::

ኣብቲ ኣብ ወርሒ 5/1989: ኣብ መንጎ መንግስቱ ሃይለማርያምን አሪክ ሆነከርን ኣብ ዝተኻየደ ዘተ: ጠንቂ ናይቲ ዝተጠልበ ኣጽዋር: ተሓቢሩ ኣሎ:: ኣብቲ ዘተ: መንግስቱ። እቲ ወተሃደራዊ ኩነታት ኣዝዩ እንዳተባልሐ ይኸይድ ስለዘሎ: ወተሃደራዊ ደገፋት ኣገዳሲ ይገብሮ:: „ኢትዮጵያ“ ይብል ኣብቲ መግለጺኡ „ ካብ ሕብረት ሶቭየት ወተሃደራዊ ሓገዝ ዘጥለባ: ናይ ገዛእ ርእሳ ኣጽዋር ስለዘይትውንን ኢያ:: ናይ ገዛእ ርእሳ ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ክትተክል ትጽዕር ኣላ:: ኣብ መወዳእታ ከኣ: መንግስቱ ነቲ ምብ/ጀርመን: ወተሃደራዊ ቀረብ ክብ ኣብ ምባል: ዘርኣየቶ ቁልጡፍ ግብረ-መልሲ ኣመስጊኑ:: ዘረብኡ ብምቕጻል: እዚ ሓገዛት’ዚ ካልእ ኣገዳሲ ዝገብሮ ምኽንያት ከምዘሎ ገሊጹ:: ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ: ብሓንቲ ካናድያዊት ኩባንያ: ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ ነዳዲ ከምዘሎ ተዳህሲሱ ኣሎ:: እቲ ዳህሳስ ተዛዚሙ ስለዘሎ: እቲ ምህርቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ክጅመር ኢዩ:: እዚ ኣዝዩ ትስፍው ዝኾነ ፕሮጀክት’ዚ: ነቲ ቁጠባዊ ኩነታት ናይ’ዛ ሃገር ክፈትሕ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ:: ማዕረ-ማዕሪኡ ግን: እቲ ፕሮጀክት: ነቶም „ተነጸልቲ“ ሰሓቢ ስለዝኾነን ሓለዋ ክግበረሉ ስለዘለዎ: ኢዩ:: እቲ ትጽቢት ንመዓልቲ ናይ ኣስታት 20 ሚሊዮን ዶላር ዘውጽእ ባረል: ምፍራይ ኢዩ:: ስለዚ: ንሓለውኡ ታንክታት ከድልያና ኢየን:: አሪክ ሆነከር ነዚ ምስ ሰምዐ: ተመሲጡ: ኢትዮጵያ ኣብ ዳህሳስን መፍረ ናይ’ቲ ነዳዲን ደገፍ ምብ/ጀርመን ዘድልያ እንተኾነ ንመንግስቱ ተወኪስዎ:: መንግስቱ ግን ሕቶ ጥውይውይ ኢሉ ከይመለሰ ሰጊርዎ:: እቲ ምስ ካናዳ ዝተገብረ ስምምዕ „ምቹእ“ ከምዝኾነን: እቲ ብወገን ካናዳ ዝግበር ኣገልግሎት ብቀረብ ኣጽዋር ዝዳቀስ ምዃኑን ኢሉ::

ተዋሳእትን መስርሕ ውሳኔታትን

ንኢትዮጵያ ብዝምልከት። ኣብ ፖሊሲ ምብ/ጀርመን ቀንዲ ተዋሳእት በዓል መን ነይሮም? መስርሕ ውሳኔታት ከመይ ነይሮም? ነዞም ሕቶታት’ዚኦም ዝምልሱ: እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ቨርነር ላምበርትስ ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊ ፋይላት ኮይኖም: ንኹሉ ንጥፈታት ምብ/ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ብንጹር ከምዘብርሁን ይግለጽ:: እቶም ውሳኔታት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ’ዞም ዝስዕቡ ሰባት የምርሑ ነይሮም:- ሀርማን ኣክሰን: ቨርነር ላምበርትስ: ፓውል ማርኮቭስኪ: ክላውስ ቪለርዲንግ: ኣለክሳንደር ሻልክ: ኦስካር ፊሸር:አሪክ ሆነከር: ቪሊ ሽቶፍ ::

ኣብቲ: መሰረታዊ ሕቶታት ክኸውን ከሎ: ሆነከርን ፊሸርን ይሕበሩ ነሮም:: ንኣብነት: ብዛዕባ ጻውዒት ሓገዝ ኢትዮጵያ ናይ 1977 እሞ ቀረብ’ዚ ኣጽዋርን መኻይን ጽዕነትን ብቀረብ ቡን ለውጢ ክግበር ዝተገብረ ስምምዕ ክጥቀስ ይኽእል:: (…) አሪክ ሆነከር: ኣብ 15.6.1977 ናብ ቨርነር ላምበርትስ ኣብ ዝለኣኾ ተለግራም: 500: W 50 ዝዓይነተን መኻይን ጽዕነት ናብ ኢትዮጵያ ክልኣኻ ዝብል ርእይቶ ሰፊሩ ይርከብ:: ብምቕጻል: ምብ/ጀርመን ንኢትዮጵያ ሓደ ሚእቲ ሚሊዮን ማርክ (ሓያል ባጤራ) ለቓሕ ክትህባ ከምእትኽል ይገልጽ:: ቪሊ ሽቶፍ: ኣብ ሓጋይ 1977 ናብ ፖሊትቢሮ ብዘቕረቦ ጽሑፍ: ካብቲ ሃገራዊ መኽዘናት ዕቑር ንብረት: ሓድ ሓደ ኣቑሑት ንኢትዮጵያ ክልኣኽ ዝብል ጠለብ ኣለዎ:: ኣብዚ ዝጥቀሱ: ማርመላታ: ዕሹግ ስጋ: ዓሳ: ተንዳታት: መከላኸሊ መሸፈኒ: ባደላታት:: (….)
ኣብ መወዳእታ: ብዛዕባ ተወሰኑ ስጉምትታት ናይ ምውሳን ሓይሊ ዝነበሮም: ሆነከርን ሽቶፍን ኢዮም ነይሮም::

ብግብሪ ክርአ ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ: ላምበርትስን ሽቶፍን: ኣብቲ ቅድመ-ምድላዋትን ትግባረን ናይ’ዚ ሓገዛት’ዚ ዝዋስኡ: ጉንተር ሚታግ: ቨርነር ላምበርትስ: ፓውል ማርኮቪስኪ: ኣለክሳንደር ሻልክ ኢዮም::(…)
ኣብሞንጎ’ዞም 4 ሰባት’ዚኦም ዝነበረ ምቅሊት ስራሕ: ከምዚ’ዝስዕብ ነይሩ:-

ኩሉም ጉዳያት „ነገራዊ ደገፍ“: ንኣብነት ቀረብ ኣጽዋር: ንኣለክሳንደር ሻልክ ጎሎድኮቪስኪ ይምልከቱ:: (…) ኩሉ’ቲ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ዝነበረ ኣጽዋር ይኹን መኻይን ጽዕናት እሱ ይቆጻጸሮ ነይሩ:: ኣብቲ መስርሕ: ጸገማት ምስ ዘጋጥሙ ቅልጡፍ ፍታሕ ከምዝረኽቡ ይገብር ነይሩ:: ንኣብነት: እታ ንኢትዮጵያ መኻይን ክትልእኽ ዝተበገሰት ኩባንያ: ፍሉይ ድልየታት ኢትዮጵያ ብመገዲ ኤምባሲኦም ምስተነግሮ: ሚስተር ሻልክ: ኩሉ’ቲ ጉዳይ መስርሕ ምልኣኽ ብቤ.ጽሕፈቱ ከምዝሓልፍ ጌሩ:: ንኩሎም’ቶም ሃጓፋት ዝፈጠሩ ሰባት ከኣ ብዲስፕሊናዊ ስጉምትታት ናይ’ቲ ሰልፊ ኣፈራሪህዎም:: (…) ኢትዮጵያ: ሚሊሺያታታ ካብ ዓሰብ ናብ ምጽዋዕ ብመራኽብ ምብ/ጀርመን ክግዕዙ ንዘቕረበቶ ጠለብ’ውን ተኽእሎ ተግባራውነቱ ኣጽኒዑ ኢዩ:: ምእንት’ዚ: ብሮከን: ላይፕሲግ: ፍሪድሪክ አንጀልስ: ሚተንቫልደ ዝተባህላ: ንግዳዊ መራኽብ ምብ/ጀርመን: ኣብ ውሽጢ 4 ሰዓት ነፍሲ ወከፈን 1200 ሰባት ከግዕዛ ዓቕሚ ነይርወን:: እንተኾነ ኣህጉራዊ ሕግታት ባሕሪ ኣብ ግምት ብምእታው: እተን መራኽብ: ወተሃደራውያንን ናይ ውግእን ኢየን ከብለን ስለዝኽእል: በዚ ምኽንያት ከኣ ብካናል ሱወዝ ምሕላፍ ክእገዳ ይኽእላ: ክብል ነቲ ጸገማት ዘርዚሩ::

ንፖለቲካዊ ሸነኽ ናይ’ቲ ጉዳይ ሓለፍቱ ላምበርትስን ማርኮቭስኪን ኢዮም:: ምስ ወከልቲ ሶማልያ: ኢትዮጵያ: ኤርትራ ዝካየዱ ዝነበሩ ዘተታት: ውዕላትን ስምምዓትን የካይዱ ነይሮም:: ነዚ ዝኸውን ባይታ ብመልክዕ ንድፊ ዘንጽፉ ዝነበሩ ኣሳቶም’ኳ እንተነበሩ: እቲ ንድፍታት ብ ኣክሰንን ሆነካርን ክጸድቁ ነይርዎም:: እዚ ኸኣ ኣሳቶም ጥራይ ወዳእቲ ከምዘይነበሮ የብርሃልካ:: ንኣብነት: እቲ ቨርነር ላምበርትስን ፓውል ማርኮቭስኪን ምስ መንግስቱ ሃይለማርያምን ብርሃኑ ባየህን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየድዎ ዘተ ይጥቀስ:: እዚ ዘተ’ዚ መሰረታዊ ዝኾነ ብዛዕባ መጻኢ ሽርክነታት ዝምልከት ምርድዳእ ዘጠቓለለ ብምንባሩ: ሓፈሻዊ ኣንፈት ዘትሕዝ ትርጉም ጥራይ ኢዩ ነይርዎ:: እዚ ኸኣ ነቲ ዛጊት ኣብ ሓጋይ 1977 ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ዝነበረ ሰፊሕ ቀረብ ኣጽዋር: ሕጋውነት ኣልቢሱ:: ነቲ ኣብ 1978 ዝተገብረ ቀረብ መኻይን ጽዕነት: ባይታ ኮይንዎን ንኢንዱስትርያዊ ምትሕግጋዝ ከኣ ባብ ከፊቱ::

ንመጥቃዕቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሶማልያ: ከገልግላ ተባሂለን ንኢትዮጵያ ዝተዋህባ ዓበይቲ መኻይን: ብተበግሶ ቨርነር ላምበርትስ ኢየን:: እሱ: ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ወርሒ 2/ 1978: በቲ ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ገሰሰ ወልደኪዳን: ብዛዕባ ህሉው ግንባር ሶማልያ/ኢትዮጵያ ተሓቢሩ ኢዩ:: ኣብቲ ኣብ 16.2.1978 ናብ አሪክ ሆነከር ዝጸሓፎ ደብዳበ: እዚ ዝስዕብ መርትዖታት ኣስፊሩ ይርከብ:- ኣብቲ መጥቃዕቲ ሶማልያ ንምክልኻል ዝግበረሉ ዝነበረ መስርሕ: በጋጣሚ: ኣብ መስመር ምክልኻል ሶማልያ ሓደ ሃጓፍ ብምፍጣሩ: ወተሃደራት ኢትዮጵያ ነዚ ቦታዚ ኣትዮሞ:: ሕጂ ካብዚ ብምብጋስ: ንሰራዊት ሶማልያ ንምኽርዳን ተኽእሎ ኣሎ:: ስለዚ: ብወገኑ (ላምበርትስ) ነዚ ድልየት ኢትዮጵያ ከነማልእ ኣገዳሲ’ዩ ዝብል ርእይቶ ስለዘለዎ: እተን ነቲ መጥቃዕቲ ዘድልያ ዘለዋ ዓይነት መኻይን ክወሃባ ለበውኡ ኣስፊሩ:: ብመሰረት’ዚ ርእይቶዚ ከኣ: 1000 ዓበይቲ መኻይን (W 50): ንኢትዮጵያ ስለዝተዋህባ: በዚ ኸኣ ሰራዊት ሶማልያ ናብ ዶብ ሶማልያ/ኢትዮጵያ ክድፍኡ ኣበርኪተን:: (…)

ቨርነር ላምበርትስን ፓውል ማርኮቭስኪን ኣብ ኣተሓሕዛ ብዙሓት ጉዳያት ምስ ሀርማን ኣክሰን ይረዳድኡ ነይሮም ኢዮም:: ዳርጋ መብዛሕትኡ ግዜ: እቲ ሓበሬታ ንኣክሰን የቕርብሉን ውሳኔኡን ይጽበዩ:: እዚ ዘሪአና ከኣ እሱ ልዕሊኦም ዘሎ ሓላፊ ወይ ጽፍሒ ምዃኑ ኢዩ:: ነዚ ዝኸውን: ኣገዳሲ ኣብነት ዝሓቖፈ ሰነድ ኣብ ቤ.ጽ. ቨርነር ላምበርትስ ዝተረኽበ ይግለጽ:: ኣብ ወርሒ 12/ 1977 ሚስተር ፍሪደል ትራፐን: ቨርነር ላምበርትስ ብዝሃቦ ዕማም መሰረት: ናብ ሱዳን ብምኻድ: ምስ መራሒ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብቐጥታ ናይ ምርኻብ ተኽእሎ ክድህስስ ነይርዎ:: እሱ: ኣብኡ ከይዱ ብዝገበሮ ዳህሳስ: በቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ መጋጠምቲ (mediaters) ዝነበረ ዕድል ከምዘይከኣል ስለዘረጋገጸ: ብካልኦት ከራኽቡ ዝኽእሉ ሰባት: ምስ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ንምርኻብ ክፍተን ርእይቶ ኣቕሪቡ:: እዚ ርእይቶ’ዚ ኸኣ ከም ኣዝዩ ምስጢራዊ ጉዳይ ብተለግራም ናብ ሰለስተ ሰባት: ማለት ናብ ሀርማን ኣክሰን: ቨርነር ላምበርትስ: ፓውል ማርኮቭስኪ ተላኢኹ:: እዚ መልእኽቲ’ዚ ናብ ካልኦት ኣካላት ጨሪሱ ክዝርጋሕ ከምዘይብሉ ምሕጽንታ ተጻሒፉ ይርከብ:: ( እቲ ምኽንያት ከኣ: ምናልባሽ: ኣብቲ ተለግራም ኣስማት ናይቶም ከም ናይ ምብ/ጀርመን መጋጠምቲ ተጠቒሶም ዘለዎ ሰፊሩ ስለዝርከብ’ሞ ነዚኦም ሓደ ጸቢብ ዓንኬል ሰባት ጥራይ ስለዝፈልጥዎ: ከይቃልዑ ስለዝትፈርሀ ኢዩ::) ላምበርትስ: ካብዚ ብምብጋስ ኣብ 13.12.1977 ን ኣክሰን: ነዚ ናይ ትራፐን ርእይቶ ተግባራዊ ክኸውን ሓሳባት ኣቕሪብሉ: ማለት በቶም ሓደሽቲ መራኸብቲ ሰባት እቲ ጻዕሪ ክፍተን ማለት’ዩ:: ኣክሰን: ነቲ ተለግራም ብ 16.12.1977 እዚ ስዕብ ሓበሬታ ኣስፊሩ ናብ ላምበርትስ ሊኢኹዎ: „ በቲ ቀሪብዎ ዘሎ ብ 14.12.1977 ተረጋጊጹ ኣሎ::“ ኣክሰን ብሸነኹ ንሆነከር ምውካሱን ዘይምውካሱን ካብቲ ሰነድ ኣይፈለጥን ኢዩ:: እቲ ኣገዳሲ ግን ላምበርትስ ካብ ኣክሰን ደገፍ ምሕታቱ ኢዩ:: (…) እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ናይቲ ሰልፊ: ኣክሰን ኣብ ክፍሊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት: ካብቶም ወሰንቲ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ምንባሩ ኢዩ:: (…)
ኣብ ቤ.ጽ. ላምበርትስ ብዙሓት መደባትን ዕላማታትን ዝጠቕሱ ክታማት ዘይብሎም ሰነዳት ይርከቡ:: እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ሰነዳት ክትሪኦ ከለኻ: ሓደ ሓላፊ ናይ’ቲ ሰልፊ ዝነደፎ ክኸውን ከምዝኽእል ትግምግም:: ስለዚ ኣብ ግምት ዝኣትዉ: ሀርማን ኣክሰን: ቨርነር ላምበርትስ: ወይ ከኣ ፓውል ማርኮቭስኪ ኢዮም:: እቲ ሰነዳት ኣብ ቤ.ጽ. ላምበርትስ ብምርካቡ: እሱን ማርኮቭስኪን ከምነደፍቲ ክበሃሉ ዝርኣየካ ኢዩ:: ብኻልእ ወገን ክርአ ከሎ ከኣ: ሀርማን ኣክሰን’ውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ:: ምኽንያቱ: እሱ ዝያዳ ኣብቲ ምንዳፍ ዕላማታትን መደባትን ይሳተፍ ብምንባሩን: ሓያል ጎድኑ ኣብከምኡ ከምዝኾነን ስለዝፍለጥ ኢዩ:: ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ ደምዳሚ መልሲ ክርከቦ ዝኽእል: ኪኢላታት ቋንቋ: ነቲ ሰነዳት ተንቲኖም ምስዝመምይዎ ኢዩ:: ስለዚ: እቲ ሕቶ ገና ክፉት ኢዩ::

ሓድሓደ ሰነዳት: ነቲ ምሕንጻጽን ትግባረን ፖሊሲ ምብራቕ ጀርመን: ከበድቲ ትርጉማት ዘለዎም ብምዃኖም: እቲ ሕቶ ክምለስ ኣገዳሲ ኢዩ:: ንኣብነት: እዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ሰነድ: ነተን ኤርትራውያን ሓርነታውያን ግንባራት “ንምፍንጫል” ዝብል ትሕዝቶ ከምዝነበሮን: ስለዘይተኸተመ ከኣ መን ጸሓፊኡ ኣይፍለጥን ኢዩ::

…ይቕጽል

President Isaias concludes official visit to...

Speech delivered by President Isaias Afwerki at...

Eritrea reopens embassy in Addis Ababa in fresh...

President Isaias arrives in Addis Ababa

State Lunch in honor of President Isaias

Seminar by President Isaias in Sawa