July 11, 2011

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ካብ ሰነዳት ታሪኽ

ሃብትኣብ ጽገ
ራብዓይ ክፍሊ

4.ውድባት ኤርትራ

ካብ ሰነዳት ሰልፊ ምብ/ ጀርመን ክረአ ከምዝኽእል: እተን ውድባት ኤርትራ ኣብ ዕላምአን ፍልልይ ከምዘይብለን ኢዩ:: ማለት ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ነጻ ንምውጻእ ኢዩ:: እቲ ፍልልየን ኣብ ኤትኒካዊ-ሃይማኖታዊ መሰረታተንን ናይ ወጻኢ ርክባተንን ኢዩ::
ሳላ’ቲ ምስ መሓመድ ስዒድ ናውድ: ምኽትል ኣቦ-ወንበር ELF-PLF ዝተገብረ ዘተ ከም ዝተረዳእናዮ: ናይ ሰለስቲአን ውድባት ኤትኒካዊ-ሃይማኖታዊ ዓይነት መሰረታተን ከምዝስዕብ ኢዩ:: እዚ ብኡኡ ዝተዋህበ መግለጺታት: ምናልባት ብቀንዱ ነቶም ን ELF-PLF ዝምዉሉ ዘገድስ ዓይነት ክኸውን ይኽእል ኢዩ:: ELF-PLF በተን ካልኦት ኤርትራውያን ውድባት: ከም ሓንቲ ናብ ድሑራት ሃገራት ዓረብ ክትጽጋዕ ትፍትን ገይረን ኢየን ዝገልጸኣ:: ከምዚ ዓይነት ምጉት ግን ኣብ ክዉን ማሕበርነታዊት (real socialist) ሃገር ምብራቕ ጀርመን: ቀጥታዊ ዝኾነ „ትርጉም“ እኳ እንተዘይብሉ: ነቲ ኣብ መንጎ’ተን ውድባት ዘሎ ኣብ ሓደሓደ መዳያት ጭቡጥ ፍልልይ ብኸፊል የንጸባርቕ:: ብተወሳኺ: ክንግንዘቦ ዘለና: ናውድ ገዲም ኣባል ደሳዊ ሰልፊ ሱዳን ከምዝነበረን: ኣብ ሓምሳታት ከኣ በቲ ሰልፊ ብዝተዋህቦ ተልእኾ: ምስተን ውድባት ኤርትራ ክሰርሕ ኢዩ:: ስለዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ናብተን ኣሓት ሰልፍታት ዝበሃላ ሓበሬታ ከተሓላልፍ ከሎ: በቲ ንዕኡ „ሓቂ“ ዝብሎ ከምዝኾነ ርዱእ ኢዩ::

እስከ ንናውድ ንስምዓዮ: „ኣብ ELF-PLF“ ይብል እሱ „80% ኣመንቲ ኢስላም ክኾኑ ከለዉ 20% ኣመንቲ ክርስትና ኢዮም:: ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ከኣ 90% ኣመንቲ ክርስትና: 10% ኣመንቲ ኢስላም ኢዮም:: ኣብ ተ.ሓ.ኤ.- ሰ.ባ. ከኣ 50% ኢስላም 50% ክርስትያን ኢዮም:: እዚ ፍልልያት’ዚ ዘስዓበ ሓደ ፍሉጥ ፖሊሲ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኢዩ:: „ኣፈወርቂ (ብርእይቶ ናውድ) ኣብ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. እንዳበርተዐ ብዝኸይድ ኣገባብ ክርስትያን ብምውዳቡ: ብሃይማኖታዊ ጠንቂ ኣብ ሞንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ምፍንጫላት ከይመጽእ ሻቕሎቱ ይገልጽ (…) ናውድ ምስ’ዚ ኣተሓሒዙ ንኣፈወርቂ: ኣብ መጻኢ ከም ኤርትራዊ ፒየር ገማይል (Pierre Gemayel (…) ክኸውን ይኽእል ኢዩ“ ኢሉ ይገልጾ::

እቲ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ናይ ሰለስቲአን ውድባት ከምዚዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል:-

ELF-PLF ምስ መብዛሕትአን ሃገራት ዓረብ ርክብ ኣለዋ:: ብፍላይ ምስ ሶርያን ዒራቕን:: እዚ ማለት ከኣ ምስተን ብዓሳውያን ሃገራት ዓረብ ዝጠበቐት ኢያ::
ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብዝያዳ ምስ ሃገራት ዓረብ ከም ሊብያ: የመን: ኣልጀርያ: ከምኡ’ውን ምስ ውድባት ዓረብ ከም PFLO: DFLP: PFLP: ደሳዊ ሰልፊ ሱዳን ዝምድናታት ነይርዋ:: እዚ ማለት ከኣ: ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብርእይቶኣ: ምስተን „ጸጋማውያን“ ትብለን ሃገራት ዓረብ ትዛመድ ማለት ኢዩ:: ካብዚ ብምብጋስ ከኣ: ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ከም ኣድሓርሓርቲ ሃገራት ትሪአን::

እቲ ቀንዲ ፍልልይ ናይ ሰለስቲአን ውድባት: ኣብ ኣምር ዓረባዊ ሃገራውነት ዘለወን መርገጺ ኢዩ:: „ኣብ ሓደ ሰነድ ሰፊሩ ዝርከብ: ርእይቶ ሓደ ወኪል ህ.ግ.ሓ.ኤ.: መርገጺ ሶርያን ዒራቕን ኣብ ልዕሊ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንጹር ኣይኮነን:: ወከልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ምስዘን ሃገራት’ዚአን ኣብ ዝገብርዎ ዘተታት: ዝተገንዘብዎ ነገር እንተሎ: ዒራቓዊ ሰልፊ ባዓስ: ኣብ ሕቶ ኤርትራ ትምክሕታዊ መርገጺ ከምዝኽተልን: ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ንጉጅለ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ከምዝድግፍን ኢዩ:: ፖሊሲ ሶማሊያ ኣብ ሕቶ ኦጋዴን ከኣ ብርእይቶ ህ.ግ.ሓ.ኤ.: ብክልተ ኣንፈታት ዝተጸልወ ኢዩ:: እቲ ትምክሕታዊ ኣንፈት ብሓላፊ ጸጥታ ሶማልያ (መሓመድ ሱሌማን?) ዝምራሕ ኮይኑ: ን¾ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክዝመት ብቅሉዕ ጎስጓስ ዘካይድ ኢዩ:: እቲ ካልኣይ ኣንፈት ከኣ ብሰላማዊ መገዲ ብትግባረ መሰል ርእሰ ውሳነ ጉዳይ ኦጋዴን ክፍታሕ ኢዩ:: እዚ ፍታሕ’ዚ ግን መዕለቢኡ ኣብ መወዳእታ ናብ ሶማልያ ምጽንባር ከምዘስዕብ ርዱእ ኢዩ:: ዝበዝሑ ነበርቲ ናይቲ ኣውራጃ ሶማልያውያን ስለዝኾኑ: ነጻ ተኽእሎ ውሳነ እንተዝወሃቡ: ምስ ሶማልያ ምጽንባር ምመረጹ ነይሮም::

እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ናይ ሰለስቲአን ውድባት ዘሎ ፍልልይ: ንምግምጋም ዝበለጸ ብቕዓት ዘለዎም ሶቭየታውያን ኢዮም:: ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ. ማእከላይ ምዕራባውን ቦታታት ኤርትራ ይቆጻጸርዎ:: ኣስታት 30,000 ዕጡቓት ተጋደልቲ ኣለዉዎ:: ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሰሜናዊ ምብራቕ ኤርትራን ዝቆጻጸር ኮይኑ: 12000 ዕጡቓት ተጋደልቲ ኣለዉዎ:: ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ: ሓይልታቶም ኣብ ኣፍደገ ኣስመራን ምጽዋዕን ዓሪዶም ይርከቡ:: ELF-PLF ግን 3500 ወተሃደራት ኣለዉዎ::

ምንጪ ናይ’ዞም ሓበሬታታ’ዚኦም ብልክዕ ካበይ ኢዩ: ዝፍለጥ ኣይኮነን:: ከም ርኡይ ዝውሰድ ግን: ደሳዊ ሰልፊ ሶቭየት ሕብረት ንግንባር ሓርነት ፍልስጤም ከም ምንጪ ሓበሬታ ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ኢዩ:: ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣብ መንጎ ሰልፊ ምብ/ጀርመንን ደሳዊ ሰልፊ ሶቭ.ሕብረትን ዝተገብረ ኣኼባ: ብወከልቲ ሶቭ.ሕብረት: ምስኦም ጽቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ኣቡ ኒዳል (ወኪል ግ.ሓ.ፍ.): ዝጸሓፎ ጸብጻብ ተነቢቡ:: ኣብቲ ጸብጻብ ከምዝተገልጸ: ኣቡ ኒዳል ንኤርትራ ከምዝበጽሓን ብጀካ ኣስመራን ምጽዋዕን ከኣ ዝተረፈ መሬት ኤርትራ: ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኤርትራውያን ከምዘሎ ኢዩ:: ገምጋም ባሕሪ ኤርትራ በታ ብኣፈወርቂ ትምራሕ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ቁጽጽር ክግበረሉ ከሎ: ምዕራባዊ ወገን ኤርትራ ከኣ ብተ.ሓ.ኤ. (ኣብ ትሕቲ መሓመድ ኣሕመድ ናስር) ቁጽጽር ይግበረሉ::

ካልእ ዘገድስ’ውን እቲ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሓበሬታ ኮይኑ: ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ከምእትንቀሳቐስን: ኣብኡ ከኣ ብኣሁዳታት ከቢድ ብረት ሱዳን ሓገዝ ከምዝገበረላን ኢዩ:: ኣብቲ ሓበሬታ ግን: ካብተን ተ.ሓ.ኤ. ዝብል መጸዊዒ ዘለወን ውድባት ኣየነይተን ማለቶም ከምዝኾኑ ኣይፍለጥን:: ምናልባት ግን: እታ ብ ELF-PLF ትፍለጥ ክትከውን ትኽእል ኢያ:: ምኽንያቱ እሳ በተን ካልኦት ውድባት ምስ ኣድሓርሓርቲ ወነንቲ ነዳዲ ሃገራት ኣዕራብ ብምጽግዓ: ብአአን ትምወልን ኢለን ስለዝኸስኣ ኢዩ::

እቲ ናይ ገዛእ ርእሰይ ኣብ ልዕሊ’ዘን ሰለስተ ውድባት ገምጋም: ምስ’ቲ ናይ ሶቭየት ሕብረት ዝጋራጮ ኢዩ:: ተ.ሓ.ኤ.-ሰ-ባ. ትኹን ELF-PLF: ኣብቲ ምስ ሰልፊ ምብ/ጀርመን: ዝተኻየደ መስርሕ ዘተ: ብዛዕባ ወተሃደራዊ ዓቕመን ዝሃበኦ ዝኾነ ይኹን ቀጥታዊ ሓበሬታ ኣይነበረን:: ካብቲ ዝሃበኦ ሓበሬታ ክትርድኦ ትኽእል: እሳተን ኣብ ኤርትራ ኣገደስቲ ፖለቲካውን-ወተሃደራውን ባእታታት ምዃነን ጥራይ ኢዩ:: እዚ ኸኣ ብፍላይ ንተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ. ይምልከት:: ህ.ግ.ሓ.ኤ. ግን ንወተሃደራዊ ዓቕማ ኣጉሊሓ ገሊጻቶ ኢያ:: ብመሰረት መግለጺኣ: 70% ካብ’ቲ „ሓራ“ ዝወጸ ቦታታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከምዝኾነ ኢዩ:: ካብ 20-25% ጥራይ ኣብ ትሕቲ ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ. ከምዝኾነ ሓቢራ:: ብዛዕባ’ቲ ልክዕ ገምጋም ዝምልከት: ካብቲ ናይ ሶቭ.ሕብረት: እቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናብ ክውንነት ዝተጸግዐ ይመስል:: ምኽንያቱ: ድሕሪ 1978: ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብተዛማዲ ኣብ ቅልጡፍ ግዜ: እታ እንኮ ወኪል ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ እንዳኾነት መጺኣ:: እዚ ክበሃል ከሎ ግን: እቲ ገምጋም ሶቭ.ሕብረት „ሓቅነት“ ጨሪሱ የብሉን ማለት ኣይኮነን:: ምኽንያቱ: ብሉጽ ውተሃደራዊ ብቕዓት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብዝተፈላለዩ ወገናት ተመስኪሩ ኢዩ::

5. እቲ መስርሕ ዘተ

እቲ ኣብ ሞንጎ ውድባት ኤርትራን: ሰልፊ ምብ/ጀርመንን:
መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ፋልማይ ዘተታት ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ 1978 ኣብ በርሊን ተፈጺሙ:: ብልክዕ ንምግላጽ ብዕለት1.2.1978: ብዕለት 23.3.1978: ከምኡ’ውን ብዕለት 10.6.1978::

ኣብ’ዚ ዘተታት’ዚ ኣገድስቲ ወከልቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውድባትን መንግስትታትን ዝተሳተፍዎ ኮይኖም: እሳቶም ከኣ መሪሕ ተራ ዝነበሮም ኢዮም:: እዚ ማለት ከኣ: ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ከም ወከልቲ ምልኣኽ: እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ዕቱብነት ተዋሂብዎ ከምዝነበረ የሪአካ:: ብወገን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኢሰይያስ ኣፈወርቂ (ኣብ ጸብጻባት ሰልፊ ምብ/ጀርመን ኩሉግዜ ብ ሲያሲ ኣፎርቂ Siassi Aforki ይጽሓፍ ነይሩ): ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ: ኢብራሂም ዓፋ ተሳቲፎም:: ኣፈወርቂ: እዚ ሕጂ ፕረሲደንት ኤርትራ ዘሎ ክኸውን ከሎ: እቶም ካልኦት ኣገደስቲ ወከልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኢዮም:: ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝነበሩ ከኣ ቢርሃኑ ባየን: ሽዋንዳኘ በለጠ ክኾኑ ከለዉ: ናብ መንግስቱ ሃይለማርያም ቅርበት ዘለዎም ኣገደስቲ ሰባት ነይሮም:: ሰልፊ ምብ/ጀርመን ከኣ ፈለማ ብ ቨርነር ላምበርስን ፓውል ማርኮቭስኪ ተወኪሉ ነይሩ:: ኣብ ቀጺሉ ዝሰዓበ ርክባት ከኣ ሀርማን ኣክሰንን ፍሪደል ትራፐን’ ውን ተኻፊሎም ኢዮም:: ላምበርስ እቲ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ምብ/ጀርመን ማእከላይ ተራ ዝጻወትን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ጉዳያት – ከም ዘተ ምርኽኻብ ስልጣን ካብ ኡልብሪሽት ናብ ሆነከር – ከሳልጥ ዕማም ተዋሂብዎ ዝነበረ ኢዩ:: ምስ ሆነከር ኣዝዩ ቅርበት ስለዝነበሮ: ብድሕሪ ስዒቡ ስልጣን ክርከብ ተኽእሎ ኣሎ ዝብል ግምታት ነይሩ:: ኣክሰን’ውን ናብ ሆነከር ቅርበት ምስ ዝነበሮም ዝቑጸር ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ኣብ ዝምድናታት ውጻኢ ናይቲ ሰልፊ ማእከላይ ተራ ነይርዎ ኢዩ::

ዛጊት ኣብቶም ኣፈናዊ ርክባት ከኣ: እቶም መርገጽታት ብመሰረቱ ዘይሳነዩ ምዃኖም ተራእዮም:: ብወገን ኢትዮጵያ: ኤርትራ ክትፍለ ዘይትኽል ኣካል ኢትዮጵያ ኢያ ክበሃል ከሎ: ብወገን ኤርትራውያን ከኣ: ኣብ ኤርትራ ሓድሽ „ሃገራዊ ሓድነት“ ቆይሙ ኢዩ ዝብል መርገጺ ነይርዎም:: ኢትዮጵያ: ነቶም ኤርትራውያን ከም ኣድሓርሓርቲ ክትገልጾም ከላ: እቶም ኤርትራውያን ግን ንነብሶም ከም ማክሳውያን-ለኒናውያን ይገልጽዋ ነይሮም:: ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ: ምስ ኢትዮጵያ ክቕጽል’ዩ ዝደሊ ክትብል ከላ ኢትዮጵያ: ኤርትራውያን ከኣ: ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር’ቲ ምጽንባር ምስ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ይገልጹ:: ክልቲኦም ወገን ሰላማዊ ፍታሕ ከምዝደልዩ’ኳ እንተገለጹ: ሓደ ነቲ ካልእ: ነቲ ግጭት ብወተሃደራዊ መገዲ ክፈትሖ ከምዝደሊ ይካሰሱ::

ብዝኾነ ግን: ክልቲኦም ወገን እቲ ዘተ ክቕጽልን: ሰልፊ ምብ/ጀርመን ከኣ መዛተዪ ዝኸውን ርእይቶ ከቕርብ ተረዳዲኦም::

ኣብቲ ዘተ: ብወገን ሰልፊ ምብ/ጀርመን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ቅድሚ ኢትዮጵያ ክትተዓጻጸፍ ጽዑቕ ዝኾነ ጸቕጢ ኣብ ርእሲኣ ይገብሩ ከምዝነበሩ ክትግንዘብ ትኽእል:: ኣብ ሓደ ጸብጻብ ሰልፊ ምብ/ጀርመን እዚ ዝስዕብ ተመዝጊቡ ይርከብ „ ኣብ ሓደ ዕጹው ብኣካል ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ሞንጎ ብርሃኑ ባየ: ሲያሲ ኣፎርቂ: ቨርነር ላምበርስ: ኣብ ልዕሊ ወኪል ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣድላይነት ምርድዳእ ክቕበል ብተደጋጋሚ ጻዊዒት ተገይርሉ:: ቨርነር ላምበርስ ኣብዚ ኣጋጣሚ ከይተረፈ: ማሕበርነታውያን ሃገራት ንሰውራ ኢትዮጵያ ኩሉ ጉድናዊ ሓገዝ ክገብራሉ ምዃነን ብዘይጥርጥር ገሊጹ::“

እዚ ኸኣ ነቲ ዛጊት ኤርትራውያን ኣስተዊዒሎምሉ ዘለዉ ወተሃደራዊ ደገፍ: „ማሕበርነታውያን“ ሃገራት: ክቕጽልኦን ከበራትዕኦን ስለዝኾና: ንኤርትራውያን መርገጺኦም ክቕይሩ ኣፈራሪሀን::

እቲ ቀጺሉ ዝሰዓበ ካልኣይ ዘተ: ዘምጽኦ ጭቡጥ ውጽኢት ኣይነበሮን:: ከምቲ ኣብ ፋልማይ ኣኼባ ዝነበረ ሓባራዊ መግለጺ’ኳ: ከውጽኡ ኣይከኣሉን:: ስለዚ: ብግብሪ እቲ ዘተ ፈሺሉ ከበሃል ይከኣል ኢዩ:: እቲ ቀንዲ ጠንቂ’ቲ ፍሽለት ከኣ ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ክግለጽ ይግባእ:: ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ንጠለብ ኤርትራውያን ቁሩብ’ኳ ከተሳሲ ቅርብቲ ስለዘይምንባራን ግዜ ንኽትዕድግን ጥራይ ዕላማ ስለዝነበራን ኢዩ:: ነዚ ብዝምልከት: ነቲ ዘተ ኣብዝተገብረ ገማጋም ሶቭ.ሕብረት ተደጋጊሙ ተጠቒሱ ኢዩ:: ኤርትራውያን ሕድገታት ክገብሩ ተቐራብነት ዝነበሮም’ኳ እንተመሰሉ: መሰል ርእሰ-ውሳኔ ክኽበር ዝነበሮም መርገጺ ግን ኣብ ቦትኡ ነይሩ:: እዚ ማለት ከኣ ብምርጫ ዝግበር ወሳኔ: መጻኢ ዕድል ኤርትራ ከምዝድግፉ ኢዩ::

ኣብቲ ሳልሳይ ዘተ: እቲ መርገጽታት ዝያዳ እንዳተረሓሓቐን እንዳሓየለን ከምዝኸደ ተራእዩ:: ብርእይቶ ሰልፊ ምብ/ጀርመን ከኣ: ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ክትቀርቦም ድልየት ኣይነበራን ጥራይ ዘይኮነ: ብወተሃደራዊ መገዲ ነቲ ሽግር ክትፈትሖ መዲባ: ይብል:: ህ.
.ሓ.ኤ. ከኣ ፍሉይ ሃገር ክተክልን: ኣንጻር ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቃልሱ ክቕጽል ምዃኑ ይገልጽ:: ብመንጽር’ዚ „ተሪር“ መርገጺ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ግን: እቲ ናይ ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ. „ልስልስ“ ዝበለ ብምንባሩ: ምናልባት ኣብ መጻኢ ምስኦም ዘተ ይካየድ ይኸውን: ዝብል ይርከብ::

ሰልፊ ምብ/ጀርመን: ሽዑ ንሽዑ ብወገን ሶቭ.ሕብረት ዝተዋህቦም ሓበሬታ እንተይነሩ: ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ. ንሽሙ ዳኣዩ ካልእ መረግጺ ዘለዎም ዝመስሉ’ምበር: ከም ሓቂስ ካብ’ቲ መርገጺ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝፍለ ከምዘይብሎም ኢዩ:: እዚ ከኣ: እቲ ዘተ ብወግዓዊ መገዲ ከምዘብቀዐ: በቲ „ዓቢ ሓውኻ“ ክንገረካ ከሎ ከም ማለት ኢዩ::

6. መደምደምታ

ምብ/ጀርመን ንወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ: ብንዋታዊ መሳርሕታት ጥራይ ዘይኮነት: እንኮላይ ብዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት’ውን „ሓጊዛ“ ኢያ:: ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት’ዚ: ሓርነታዊ ውድባት ኤርትራ ካብ ምእዋጅ ነጻነት ኤርትራ ንምኹላፈን: ነተን ውድባት „ኣድሓርሓርትን“ „ገስገስትን“ ባእታታት ኢልካ ምፍንጫል ንምትእትታውን: ነቶም „ገስገስቲ“ ዝተባህሉ ከኣ ምስ ወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ብዘተ „ንምቑራኖም“ ነይሩ:: እዚ ዕላማታት’ዚ ክውቃዕ ኣይተኻእለን:: እንተኾነ ነተን ኤርትራውያን ውድባት ምስ ወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ዘተ ስለዘእተወን: ነቲ ስርዓት ኢትዮጵያ: ኣንጻር’ቲ ብደቡብ ዝነበረ ወራር ሶማልያ ንምምካት ትንፋስ ሂብዎ ከበሃል ይከኣል:: ምናልባት: እቲ ሽዑ ዝረኸቦ ትንፋስ: ነቲ ስርዓት ንዝሰዓበ ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዕድል ሂብዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:: ምኽንያቱ: ኣብቲ እዋን’ቲ: ከምቲ ኣብ 1990/1991: ብኹሉ ወገን መጥቃዕቲ ወሪድዎ እንተዝኸውን ነይሩ: እቲ ስርዓት ምናልባት ምስ ወደቐ ነይሩ:: ብሓጺሩ: ምብ/ጀርመን ኣብ „ምዕጋት“ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ 1977/78 ማከላይ ተራ ነይርዋ ኢዩ::

….ይቕጽል

Eritrea participate at The Red Sea nations...

Switzerland partners with UNDP to support Eritrea...

العربية للطيران تضيف “ارتيريا” إلى...

Foreign Minister Outlines Eritrea’s Achievement...

ENT Diagnostic and Operation Centre Inaugurates

“Eritrea’s Anti-Corruption Experience” ...